X$ }`˛ - )oZ · 2016-08-05 · 3 X$" : $N 2008 t/ˆ ZLˆ XD ñ[ˆ Fä 4ä ˆ˝ Lˆ îQ XC BF...

4
1 2008 / 20 2008 25 20 25 - - // 400 “ ” // ? ‘ ? ? / / 2 1962 ‘‘ ‘‘

Transcript of X$ }`˛ - )oZ · 2016-08-05 · 3 X$" : $N 2008 t/ˆ ZLˆ XD ñ[ˆ Fä 4ä ˆ˝ Lˆ îQ XC BF...

Page 1: X$ }`˛ - )oZ · 2016-08-05 · 3 X$" : $N 2008 t/ˆ ZLˆ XD ñ[ˆ Fä 4ä ˆ˝ Lˆ îQ XC BF `")HÇR ˘"Lj ÉL RÖ2 t㈠XC X) Ö5ˆ \ˆxo pˆ± ZRF £[ˆ ˆ `K `iSˆ >xR èRxC

��1

ኣሰር

መመቓቓልልሕሕ ሰሰነነ 22000088 ዓዓ//ምም

20 ጉንበት 2008 ዓመተ ምህረት ሎምዘበን እንትኽበር 25 ዓመታት ልምዓትንዓወትን ተቖፂሮም፡፡ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ በዓልዓወት 20 ጉንበት ተኸቢሩ፡፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ብብረት ዝተስዓሩ ሐይልታት ድሕሪርብዒ ዘበን ንሕቶ ሰናይ ምምሕዳር ህዝቢወልቃይት ፀገዴ ናብ ሕቶ መንነት ቀይሮምዕግርግር ዝፈጠርሉን ፣ ብሓያል ህዝባዊመኸተ ካባ ሕፍረት ዝተጎልበቡሉን እዩ፡፡ ትግራዋይነቶም ኣብ ሕቶ ከምዘይኣቱ ነበርቲወልቃይት ፀገዴ ዝገለፁሉ ኣብ ታሪኻዊ ቦታታትን ፕሮጀክትታት ልምዓትን ዑደት ዝገበሩሉን ኣብ ዘዝዓረፉሉ ከባቢ ድማ ህዝቢድሙቕ ኣቀባብላን ንቡር ባህሊ እንግዶት

ዝክረ - ስውእ ሙሴ ዝክረ - ስውእ ሙሴ ብብይይርርጋጋ ኣኣብብርርሃሃ

ስስወወእእ ሙሙሴሴ ተተኽኽለለ //መመሓሓሪሪ//

ድራር እንዳገበረ ሰንይዎም፡፡ ልዕሊ 400ዝኾኑ ዑደተኛታት ደቂ ሸሞንተ ማይ ቤት ፀገዴን ደቂ ሰብዓ ወልቃይትን ትግራዋይነቶምብግልፂ ኣመስኪሮም፡፡

መልኣከ ፀሃይ ኣቡሀይ ተሸመ ነባራይወረዳ ፀገዴ እንትኾኑ ፀገዴታይ መቦቆሉ ካብትግራይ ካብ መደባይ ታብር ከምዝኾነ፤ዘሃዋርያት ፣ ቶራት፣ጋሞ፣ደቂ ኣጋሮ ፣ ህዝበዓዴት ፣ ምድረ ገበታ ዝበሃሉ ከባቢታትሒዞም ምምሕዳር ዝጀመሩ፣ ደባሽ፣ ክንዲሽሕ፣ ኣብርሃም፣እምባኖስ ፣ ምስሌነ ደቂ ሃርሶ፣ዘበኣማን፣ ዝበሃሉ ኣሕዋት ነቲ ምድረ በረኻዝነበረ ናይ ሎሚ ፀገዴ ከምዘጣየሹዎ ጥንተመቦቆልና ትግራይ፣ መደባይ ታብር እዩ ብም

ሓደ ዓቢዪ ሰብኣይ ግና ናብቲ መድረኽመፂኦም፡፡ ዝዓደሞም የለን፡፡ ፖለ ቲካዊ ዋዒንምፍጣር ኣብ ከባቢ ወልቃይት ፀገዴ ዝተፈጠረ ረስኒ ስዒቡ ዝተልዓሉ ገለ ገለ ዘረባታትሰሚዖም ከምዝነበሩ ይዛረቡ፡፡ ክሳብ ሕዚ ግናተዘሪቡ ዘይፈልጥ እኳ ደኣስ “ትግራዋይ እየ”ካብ ዝብል ወፃኢ ከባቢ ዘይጠቅስ ትግራዋይ፤ምሽጥር ትግራዋይነቱ ምስ ሓዘ መስዋእቲዝኸፈለ ሰብ ብዙሕ እዩ፡፡ ካብኣቶም ስውእሙሴ/መሓሪ/ ተኽለ እቲ ሓደ እዩ፡፡

ሙሴ ከም ኣብነት ትግራዋይነት ወሲደክፅሕፍ ዘበገሰኒ ፤ ነገራት ንምፅባብ ተደልዩ ኣይኮነን፡፡ ሙሴ ከም ኣብነት ወሲድና ትግራዋይነት፣ መንነት፣ ሕላገት ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ

ባል ዘረጋገፁ እንትኾን ኣብ እዋን ብረታዊቃልሲ ህዝቢ ትግራይ‘ውን መፈጠርን ፅላልንህወሓት ኮይኑ ኣሽሓት ቀያሕቲ፣ ፀለምትንወይኖታትን ደቁ ዘጋደለ ፣ ባዕሉ ዝተጋደለ ፣ንህወሓት ሓብሒቡ ናብዚ ብርኪ ዘብፅሐህዝቢ እዩ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ፡፡

ኣብዚ ዑደት እዚ እምባኣር እዩ ሓደሓዱሽ ክስተት ዘጓነፈ፡፡ ወከልቲ ህዝቢ ዞባምዕራብ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝዓረፉሉ ህዝብንምምሕዳርን ዞባ ማእኸልን ከተማ ኣኽሱምንድራር እንግዶት ኣዳሊውሎም፡፡ ኣዳራሽ ሆቴልረምሃይ ብደቂ ፀገዴ ወልቃይትን ሑመራንክሳብ ኣፉ ተጨናነቐ፡፡

ትግራዋይነትና ሰፍ ዘይብል ሸከም ከምዘለናክንግንዘብ ደኣምበር፡፡ ግን ሙሴ መን እዩ ?ወዲ መን‘ዩ ? ንምንታይከ እዩ አብ ኤርትራተወሊዱ ዓብዪ ካብ ሻዕብያ ወፂኡ ምስህወሓት ክቃለስ መሪፁ ? ብስሩኸ ትግራዋይነትሙሴ ካበይ ጀሚሩ ኣበይ እዩ ዳርችኡ ብዝብልንምፅብፃብ ኣይኮንኩን ደልየ፡፡

ግና ሓደ ዘደምም ትግራዋይነት ካብሓው ስውእ ሙሴ ተኽለ ኣይተ ሃብተኣብተኽለ እየ ሰሚዔ፡፡ ትግራዋይነት ሙሴ ካበይከምዝብገስ ፣ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ከመይ ዝበለስምዒት ከምዝፈጠረ፣ እዚ ስምዒት‘ዙይከመይ ጌሩ ንሙሴ ካብ ህዝባዊ ግንባር ናብህወሓት ከምዝፀምበሮ ዘደምም ሓፂር ዘረባገበሩ፡፡ ኣብቲ ግዜ ንሱ ወከልቲ ዞባ ምዕራብትግራይ ዑደተኛታት ገሊኦም ትግራዋይነትሙሴ ሰሚዖም ነቢዖም፡፡ ገሊኦም ካብ ዝተቐመጡሉ ተሲኦም ብጣቕዒትን ዕልልታን ንትገራዋይነቶም ገሊፆምዎ፡፡ ኣነ’ውን ትግራዋይነትክብሪ፣ መንነት ፣ሕላገት ምዃኑ ኣስተውዒለ፡፡

ግና መንእሰይ ወለዶ ትግራዋይነቱክንደየናይ ሓበን ፣ ኩርዓትን ፍናንን ከምዝፈጥር ካብ ምንቅስቓስ ሙሴን ስድርኡን ረኺበነዚ መንእሰይ ከካፍሎ ቆፀሮ ሒዘ፡፡ ሓዉኣይተ ሃብተኣብ ተኽለ ንኣስታት ሓደ ሰዓትኣዋጊዖምኒ፡፡ ንኹሉ ከምዘሎ ንምቕራብመጠን ዝሕዞ ዓምዲ ስለ ዝድርተኒ ናብቲ ቀንድን እንመሃሃረሉን መንነትን ትግራዋይነትንሙሴ ተኽለን ስድርኡን ክኣቱ፡፡

ሃብተኣብ ተኽለ ንሙሴ ተኽለ/መሓሪ ብናይ ገዝኡ ሽም/ ዓቢይ ሓውን ብሰለስተ ዓመት ዝበልፆን እዩ፡፡ ሃብተኣብ ኮነ ሙሴኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዶም ዓብዮም ኣብኡተማሂሮም፡፡ ሃብተኣብ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስኣበባ ተማሂሩ፡፡ ሙሴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅህንፃ ክሳብ 2ይ ዓመት ተማሂሩ፡፡ መቦቆል ወለዶም ግና ትግራይ እዩ፡፡ እዞም መናእሰይ ግንድማ በሳል ኣእሙሮ ዘለዎም ተጋሩ ንወለዶምሕቶ መንነት ከልዕሉሎም ጀሚሮም፡፡

እዚ ሕቶ ንምልዓል ዝተገደዱሉ እዋን ኣብ1962 ዓመተ ምህረት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስኣበባ ኣብ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ሓደ ሓደ ደቂ ኣስመራዝጀመርዎ ዘርኣዊ ምልዕዓል እዩ ንምልዓልሕቶ መንነት ሃብተኣብን ሙሴን ምኽንያትዝኾነ፡፡

ሃብተኣብ ተኽለ ‘‘ኣነ እከለ እየ ክትብልከለኻ ዓሌታውነት ንምቕ ዳም ዘይኮነስ ፣ ኣብዝኾነ እዋን ኣገዳሲ ኮይኑ ክርከብ ከሎንምፍላጥ ዝኣክል እዩ‘‘ ብዝብል እዩ ዝገልፆ፡፡ምፍላጥ መንነትካ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን፡፡

Page 2: X$ }`˛ - )oZ · 2016-08-05 · 3 X$" : $N 2008 t/ˆ ZLˆ XD ñ[ˆ Fä 4ä ˆ˝ Lˆ îQ XC BF `")HÇR ˘"Lj ÉL RÖ2 t㈠XC X) Ö5ˆ \ˆxo pˆ± ZRF £[ˆ ˆ `K `iSˆ >xR èRxC

��2

ኣሰር

መመቓቓልልሕሕ ሰሰነነ 22000088 ዓዓ//ምም

ወዲሰብ ብደም ዓሌቱ ዝፍለጥ እንተዝኸውን ነይሩ እከለ እከለ እዩ እትብለሉ ኩነታት የለን፡፡ ግና ህዝብታት ብዝኾነ ምኽንያትኣብ ሓደ ከባቢ ይተኣኻኸቡ፡፡

ብኣነባ ብራ፣ስራሕን ምቅርራብን ዝመፅእሓደ ዓይነት ቋንቋ የማዕብሉ፡፡ ምዕባለ ቋንቋሓደ ኣሳሪ መስርሕን መራኸብን መገዲ ስለዝኾነእቲ ናይ ቋንቋ ምትእስሳር ካብቲ ካሊእ ጎሊሁይርአ፡፡ ግና መንነት መሪፅካ ኣይትኣትዎን ፤ዓዲኻ‘ውን መሪፅካ ኣይትውለደሉን፡፡ ይመፀካእዩ፡፡ ትኸዶ ኢኻ፡፡ ካብኡ ንንየው እዩ ዝፍጠር ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኩነታትንይብል ኣይተ ሃብተኣብ፡፡ እንተኾነ ግና ዘርኣዊኣታሓሳስባ ኣብ ስድርኡን ባዕሉን ዘይነበረዘየለን ንቐፃሊ‘ውን ዘይህሉን እዩ፡፡ ግና ትግራዋይነት መንነት‘ዩ፡፡ እንተኾነ ግና መንነትዘይብሉ ሰብ ስለዘየለ መንነት ትግራዋይነትድማ ተደልዩ ዝመፀ ፣ ወይ ብግዲ ዝተውሃበስለ ዘይኮነ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ማሕበራዊ መስተጋብራት ትግራዋይነት ክጎልህምኽንያት ኮይኑ፡፡

ናብ መንነት ትግራዋይነት ሙሴን ዓሌቱንእንትንሰግር ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ስዒቡዝተፈጥረ ምክፍፋል መሳፍንቲ ትግራይደጊያት ወልደሚካኤል ሰለሙን ዝበሃሉሓማሴናይ ናብ ከባቢ ኣክሱም ከባቢ መደባይወለል ይንቀሳቐሱ፡፡ ኣቦ ሓጉኡ ንሙሴ ማለትኣቦይ ብስራት ኣዋልድ ኣሕዋት ነይረንኦም፡፡ኣብ መደባይ ወለል ይነብሩ ነይሮም፡፡ ሰራዊትደጊያት ወልደሚካኤል ድማ ን ኣሕዋት ኣቦይብስራት ዘሪፎም ንሓማሴን ወሰዱወን፡፡

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣይተ ብስራት ኣማኒቶም ብሞት ምስተፈለየኦም ወዲ ኣርባዕተዓመት ተድላ ዝተብሃለ ወዶም ሒዞም ዝጠፍኣኣሕዋቶም ክእልሹ ንሓማሴን ይኸዱ፡፡ ነተንሰለስተ ኣሕዋቶም ይረኽቡወን፤ ነታ ሓንቲ ግናይስእንዋ፡፡ ድሕሪ‘ዚ ኣይተ ብስራት ካብ ኣስመራ 15 ኪሎሜትር ውፅእ ኢልካ ኣብ እትርከብ በለዛ እትብሃል ዓዲ ስራሕቲ መንድቕይጅምሩ፡፡ ዝጠፍኣ ኣሕዋቶም ክእልሹ ዝወፁኣይተ ብስራት ንዓዶም ንኣኽሱም ክምለሱይደልዩ፡፡ ግና ኣብ ዓዲ መን ኣለካ ? ኣሕዋትካኣብዚ ኢና ዘለና‘ሞ ጓል ሰብ ክነመርዕወካ ኢናኣብዚ ተቐመጥ ይብሎኦም፡፡

ድሕሪኡ ብዘይካ ወዶም ተድላ ካብ ሓንቲጓል በለዛ ሰለስተ ቆልዑት ይወልዱ፡፡ እንተኾነግና ኣብዙይ ሓደ ነገር እንተኾይነ ወይእንተሞይተ ሕድሪ ደቀይ ናብ ዓደይ ናብኣክሱም ውሰዱለይ ኢሎም ንፈተውቶም ተጋሩይዛረቡ ነይሮም፡፡ ኣይተ ብስራት ኣብ በለዛይሞቱ፡፡

ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኖም ካብ መደባይ ወለል ናብ በለዛ ዝኸዱ ተድላ ድሕሪ ሞትኣቡኦም ናብ ኣስመራ ይኸዱ፡፡ ኣብ ኣስመራ

ሓንቲ ወ/ሮ ግደይ ዝተብሃላ ጓል ይሓ የእትው፡፡ እቶም ካብ በለዛ ዝተወለዱ ኣሕዋቶምኣብ በለዛ ተጣይሶም፡፡ ኣቦይ ተድላ ግና ንጓልይሓ ኣእትዮም ንኣቡኡ ንሙሴ ንኣቦይ ተኽለወሊዶም፡፡ ድሕሪ‘ዚ ማንም ንኣክሱም ንምምላስ ዝፈተነ ኣይነበረን፡፡

“ኣቦና ስራሕ እዩ ዝፎቱ፡፡ ንሕና ቆልዑእንዳሃለና ግና ኣዴና ዓድኹም ኣኽሱም እዩ፡፡ዓድኹም ይሓ እዩ እንዳበለት ትነግረና ነይራ፡፡ናይ መደባይ ስድራና ክንፈልጦም ኣይካኣልናን፡፡ ናይ እነና ዓሌት ግና ካብ ይሓ ንኣስመራ እንዳመፁ በቲ ናይ ሽዑ ባህሊ እግሮምሓፂብና ተሳሊምና ንቕበሎም ነይርና፡፡ ሕዚ‘ውን ኣኮታትና ኣብ ይሓን ገንደብታን ኣለዉ”ይብል ኣይተ ሃብተኣብ ተኽለ፡፡

እዙይ ዓሌት እንዳቡኡ ንሙሴ ተኽለ ካብመደባይ ወለል ናብ ኣስመራ፤ ካብ ይሓ ናብኣስመራ ከመይ ከምዝኸደን ካብ መን ከምእተፈጠሩን ዘርኢ ተግራዋይነት ሓረግ እዩ፡፡በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ዓሌት ሙሴ ተኽለ ወልቃይት ኮይኑ ንረኽቦ፡፡

ብእንዳንኡ ግን ሙሴ ኣቦ ሓጉኡ ኣይተወርቅነህ ንጉሰ ይበሃሉ፡፡ ወርቅነህ ወዲንጉሰ፣ንጉሰ ወዲ ቀሺ ዋህድ፣ ቀሺ ዋህድ ወዲቀሺ ዮሃንስ፣ ቀሺ ዮሃንስ ወዲ ሽም ዓንዱ፣ሹምዓንዱ ወዲ ኣፋሎ፣ ኣፋሎ ወዲ ሰጊ ይበሃል እቲ ዓሌት፡፡ ኣብ ወልቃይት ዓዲ ዓይኒቖሎ ፣ እምባባ ፣ማይለመም ኣብ ዝበሃል ቁሸትቤተ ክርስትያኖም ድማ ቤተ ቂርቆስ እዩ፡፡

ኣቦይ ወርቅነህ ንጉሰ ናብ ኣስመራ ወዲ 8ዓመት ኮይኖም እዮም ከይዶም፡፡ ከመይኢሎም ከምዝኸዱ ድማ እዩ እቲ ዝገርም፡፡ስድራ ኣቦይ ወርቅነህ ጀጋኑ እዮም፡፡ ክልተዓበይቲ ኣሕዋቶም ኣንፃር ወራር ጣልያን ክዋግኡ ካብ ወልቃይት ናብ ዓድዋ ይዘምቱ፡፡ወዲ 8 ዓመት ህፃን ወርቅነህ ማይን ስንቅንከቐብል ምስኦም ናብቲ ኲናት ይኸ ይድ፡፡

ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ንወርቅነህ ኣብኲናት ዓድዋ ይስውኡ፡፡ ደቂ ሓማሴን ወታሃደራት ጣልያን ምስረኸቡዎ ንወርቅነህ ሒዞምዎም ናብ ኣስመራ ይኸዱ፡፡ ምስ ዓበየ ሰራሕተኛ ምዝርጋሕ መስመር ቴሌፎን/ዋርዳፊሎ/ኮይኑ ይሰርሕ፡፡ ድሕሪ‘ዚ ኣይተ ወርቅነህ ምስዓበዩ ካብ ኣስመራ ንወልቃይት መፂኦም ስድርኦም ረኺቦም ይምለሱ፡፡ ኣብ ዓንሰባ ዓዲንኣምን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ን እነሓጎኡ ንሙሴተኽለ ወይ ሃብተኣብ ተኽለ ንወ/ሮ ሰምበቱብድሆ የእትው፡፡ ንኣዲኦም ንሙሴን ንኣኮታቶም ንበርሀን ዮሃንስን ይወልዱ፡፡ እዙይእዩእምበኣር መንነት ስውእ ሙሴን ሃብተኣብተኽለን፡፡

እዞም መናእሰይ ብእንዳቡኦም ኮነ ብእንዳእንኦም ተጋሩ ምዃኖም ስድርኦም ይነግሩዎም፡፡ ሓደ መዓልቲ ዓድና ክንኣቲ ኢና ይብሉነይሮም፡፡ ብፍላይ ኣብ 1966 ዓመተ ምህረትሃብተኣብ ንወልቃይት ወሪዱ ሕርሻ ክጅምር‘ውን መደብ ነይርዎ፡፡

መመቦቦቆቆልል ተተጋጋሩሩ ኣኣባባሓሓጎጎታታትትንን ኣኣዶዶ ሙሙሴሴ

Page 3: X$ }`˛ - )oZ · 2016-08-05 · 3 X$" : $N 2008 t/ˆ ZLˆ XD ñ[ˆ Fä 4ä ˆ˝ Lˆ îQ XC BF `")HÇR ˘"Lj ÉL RÖ2 t㈠XC X) Ö5ˆ \ˆxo pˆ± ZRF £[ˆ ˆ `K `iSˆ >xR èRxC

��3

ኣሰር

መመቓቓልልሕሕ ሰሰነነ 22000088 ዓዓ//ምም

እቶም ኣቦሓጐኦም ተድላ ቅድሚ ምሟቶም ግና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማርያም ለይቶንደቂ ዓዶም ኣብ ኣስመራ ደቆም ከምዘለውዎም፣ እንተመፂኦም ምልክት ክኾኖም በዘንገንዘብ እዚኤን መፅሓፍ ናይ ቤተክርስቲያንኣፅሒፈ ይገድፍ ኣለኹ በዚ ምልክት ተቐበሉዎም ኢሎም ካብዛ ዓለም ይፍለዩ ፡፡ እዙይተጋሩ ንመንነቶምን ሕላገቶምን ዝነበሮምክብሪ እዩ ዘርኢ፡፡

ድሕሪ‘ዚ እንዳ ኣይተ ተኽለ ተድላ ኣብመደባይ ወለል ዝባን ኩቦ ትብሃል /ማለትመቓብር ሃፀይ ካሌብ ስግር ማዕዶ ኣብ ዘሎዑና እንዳበሓጉኦም ከይዶም እኒ ሃብተኣብተኽለ ገዛ ሰሪሖም ፈተውቶምን የዕርኽቶምንኣኪቦም ካብ ኣስመራ ብምምፃእ ብ1965ዓመተ ምህረት ኣመሪቖምዎ ተመሊሶም ንኣስመራ ከይዶም፡፡ ኣቦይ ተድላ‘ውን ኣብ እርጋኖም ዳግም ዑና ወለዶም ሪኦም ተመሊሶም፡፡ድሕሪኡ 1966/1967 ዓመተ ምህረት ለውጢስርዓትን ምፍጣር ዝተፈላለዩ ሓይልታትንኮነ፡፡ ርክባት ተቋሪፆም፡፡

ካብ 1960 ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ኣብዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ይመሃር ዝነበረ ወዲኣስመራ /ማሕበር ደቂ ኣስመራ/ ብዝብል ኩሉዘርኢ ፣ ሃይማኖት፣ዓሌት ከይፈለየ ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ወፊሩ ሓገዝ ትምህርቲ ጌሩ እዩዝኸርም ነይሩ፡፡ ይኹን‘ምበር 1962 ዓመተምህ ረት ሃብተኣብ ተኽለ ዓብዪ ሓው ንመሓሪተኽለ /ሙሴ/ ንኽረምታዊ ናፃ ግልጋሎት ኣብነቀምት ተመዲቡ ምስ ከረመ ናብ ኣዲስ ኣበባይምለስ፡፡ ዕግርግርን ምንቅስቓስን ተምሃሮዝተፈጠረሉ እኒ ጥላሁን ግዛው ዝመርሕዎዓመፅ ዝተቐፃፀለሉ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩማሕበር ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ /ደቂኣስመራ/ ብዝብል ዝተጣየሸ ዘይስሩዕ ማሕበርብፅሩያት ኤርትራውያን‘ምበር ካብዙይ ካብቱይ ብዝተኣከበ ክምራሕ የብሉን ናብ ዝብልቆፀራ ዓሌት ዝኣተው፡፡

ኣብዚ ግዜ እዙይ ሓደ ዓርኩንሃብተኣብ እቲ ዝነበረ ኩነታት ምስ ነገሮ ‘‘እሞንዓይከ እንታይ ኢሎምኒ ?‘‘ ኢሉ ይሓቶሃብተኣብ፡፡ ናትካ ‘‘ዓሌት‘ኳ ጠፊኣቶም እያ‘‘ይብሎ፡፡ ‘‘ዳሓን ምሓተቱኒን‘ዶ ባዕለይ እንዶክነግሮም ነይረ፡፡ ኣነ ትግራዋይ እየ፡፡ ትግራዋይኢኻ ኢሎም ካብቲ ማሕበር እንተዘግልሱኒ‘ውን ፅቡቕ ነይሩ‘‘ ኢሉ መለሰ ሃብተኣብ፡፡

ኣብዚ ግዜ እዚ ሃብተኣብን መሓርን/ሙሴ/ ክልቲኦም ኣሕዋት ብዛዕባ እዚ ኩነታትይዘራረቡ፡፡ ነቲ ኩነታት ኣልዒሎም ምስ ኣዕለሉ ‘‘ኢልካ ኢልካ መኒኻ ዝብል ሕቶ መንነትክለዓል እዩ‘ሞ ን ኣቦና ዓድና ኣእትወና ንበሎ‘‘ኢሉ ሃብተኣብ ንሙሴ ይነግሮ፡፡ በዚ ተሰማሚዖም ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ ኣዲስ ኣበባኮይኖም ብዛዕባ እዚ ተፈጢሩ ዘሎን መን ኢኻ? እንታይ ኢኻ ? ዝብል ዘረባ ይልዓል ኣሎ‘ሞ

ዓድና ኣእትወና፡፡ ዓድና ክተእትወና ድማሓላፍነትካ እዩ‘‘ ኢሎም ደብዳቤ ይፅሕፉ ናብኣቡኦም ተኽለ ተድላ፡፡ ሽዑ ንሽዑ ኣይተተኽለ ተድላ ንኣክሱም ከይዶም ሰባት ሓቲቶም ምስ ብዙሓት ሰባት ተራኺቦም ናብ ኣስመራ ተመሊሶም፡፡

ኣብቲ ግዜ ንሱ ግና ሙሴ ኣብ ስርዒትህዝባዊ ግንባር ይነፍጥ ነይሩ፡፡ ሃብተኣብ ድማኣብ ኣስመራ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኮይኑተቖፀረ፡፡ ሙሴ 2ይ ዓመት ት/ቱ ምስተምሃረናብ ጎንደር ከይዱ፡፡ ድሕሪኡ ብ1965 ዓመተምህረት ከባቢ ሓምለ ሃብተኣብ ኣብ ኣስመራኣብ ቤት ፅሕፈቱ እንዳሃለወ ሙሴ ናብ

/ሙሴ/ ኣይነበሮን፡፡

1967 ዓመተ ምህረት ድሕሪ ውድ ቀትስርዓት ሃይለስላሴ ግና ተጋደልቲ ጀብሃንህዝባዊ ግንባርን ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ይርኣዩኣለዉ ዝብል ደሃይ ተሰምዐ፡፡ ሃብተኣብ ክልተዓመታት ዝሰኣኖ ሓዉ ክእልሽ ካብ ወሎ /ባቲ/ተመዲብሉ ዝነበረ ስራሕቲ እግሪ ምትካልተበጊሱ ንከባሳታት ኤርትራ ከይዱ ሰኣኖ፡፡ደጊሙ ፃዕሩ ቀፀለ፡፡ ኣብዚ ከባቢ ተራእዩ ይብሉዎ፡፡ መሊሱ ይኸይድ ካብ ኣስመራ ውፅእኢልካ ወክዝኣገር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተራኺቦምብዙሕ ተዘራሪቦም፡፡ እቲ ዝነበረ ኩነታ ት‘ውንምችው ኣይነበረን፡፡

ሃብተኣብ ኣተወ፡፡ ኣብቲ እዋን ሙሴ ምስ ውዳበታት ከተማ ህዝባዊ ግንባር ይሰርሕ ነይሩ፡፡ተመስገን ዝተብሃለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲብተምሃሮ ደቂ ኣስመራ እትዳሎ ተጋደል ትብልጋዜጣ ኣርታኢ ዝነበረ ብፎቕ ፀዲፉ መስዋእቲምስ ከፈለ እዩ ሙሴ ንኣስ መራ ከይዱ፡፡

‘‘በል ኮፍ በል‘ሞ ገዛ ናብ ስድራ ክንከድኢና‘‘ በሎ ሃብተኣብ ‘‘ኣይ ብፀገም እየ መፂኤ፡፡ናብ ገዛ ኣይከይድን‘‘ ይብል ሙሴ፡፡ ዋህይኦምከምዝተቓልዐ፣ሃዲሙ ከምዝመፀን ይነግሮ፡፡ስለዚ ክኣስሩኒ እዮም፡፡ እንተተኣሲረ ድማ ኣብምንታይ ከምዝወድቕ ስለዘይፈልጥ ናብ ዝኾነቦታ ጥራሕ ኣብፀሓኒ‘‘ ይብል ሙሴ፡፡ሃብተኣብ ናይ እግሩ መኪና ስለዝነ በረቶ ኣጋምሸት ናብ ዝኾነ በረኻ ኣብፂሕዎ፡፡ ተሰናቢትዎ ንበረኻ ወፀ፡፡ ድሕሪኡ ንኽልተ ዓመትዝኸውን ሃብተኣብ ደሃይ ሓዉ መሓሪ ተኽለ

ምትሕልላውን ነንርእስኻ ምፍርራሕንዝመስል ነይርዎ፡፡ ድሕሪኡ ‘‘ንስኻ መንነትካትፈልጣ ኢኻ፡፡ ኢልካ ኢልካ‘ውን ናበይ ክትከይድ ከምዘለካ ትፈልጥ ኢኻ፡፡ ካብዚ ንላዕሊዝብለካ ነገር የለን‘‘ በሎ ሃብተኣብ ንሙሴ፡፡ድሕሪኡ ሙሴ ብ1967 መጀመርታታት ናብከተማ ኣስመራ ይኣቱ ንስራሕቲ ስርዒት፡፡ ወዲከተማ ክመስል ሃብተኣብ ክዳንን ጫማን ይህቦነይሩ፡፡ ሓደ ሓደ ዘድልዮ ነገር‘ውን ብሕቡእክገብረሉ ጀመረ፡፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምፍልላዮም ድማ ተራኺቦም፡፡

‘‘ንትግራይ ይኸይድ ኣለኹ፡፡ ዝኾኑ ብፆትኣለውኒ፡፡ ንትግራይ ክሰግር እየ፡፡ ድሕሪ ሕጂኣይንራኸብን፡፡ ንስኻ ኸዓ ሓንቲ ነገር ክነግረካ፡፡ ኣነ ብዝሃብኩኻ ሓበሬታ ተዘይኮይኑየትም ከይትኸይድ፡፡ ንዝኾነ ከይትኣምን፡፡

��

ሙሴ ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ እናሃለወ

Page 4: X$ }`˛ - )oZ · 2016-08-05 · 3 X$" : $N 2008 t/ˆ ZLˆ XD ñ[ˆ Fä 4ä ˆ˝ Lˆ îQ XC BF `")HÇR ˘"Lj ÉL RÖ2 t㈠XC X) Ö5ˆ \ˆxo pˆ± ZRF £[ˆ ˆ `K `iSˆ >xR èRxC

��4

ኣሰር

መመቓቓልልሕሕ ሰሰነነ 22000088 ዓዓ//ምም

ሙሙሴሴ ኣኣብብ ዩዩኒኒቨቨርርስስቲቲ ኣኣ//ኣኣበበባባ ምምስስ መመሓሓዝዝኡኡ

ድሕሪ ሕጂ ኣይንራኸብን ‘‘ ኢሉ ተሰናቢትዎ፡፡

‘‘ በቃ ሽዑ ንትግራይ ከይዱ፡፡ ድሕ ሪኡኣይተራኸብናን፡፡ ሙሴ ከምዝተሰውአ ዝሰማዕኹ ግና ብ1972 ዓመተ ምህረት እዩ፡፡ ብሓደሓደ ናይ ህዝባዊ ግንባር ስሩዓት መሓ ዙተይኣቢለ እየ ሰሚዐ፡፡ ንስድራ ግና ክሳብ መወዳእታ ኣይተዛረብኩን‘‘ ዓመታት ሓዘኑ ንበ ይኑሒዝዎ ከምዝፀንሐ እዩ ዝዛረብ ሃብተኣብተኽለ፡፡

‘‘ድሕሪ ውድቀት ደርግ ዓድና ንእቶ ኢለኣሕዋተይን ስድራይን ደፋፊኤ ናብታ ዘጣየስናያ ዑና ወለድና ናብ ኣክሱም መፂኤ፡፡

ናብራ ጌረ‘‘ ዝብል ሃብተኣብ ተኽለ፤ ወላዲቶም ዓባይ ስለዝነበራ ኣብ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ እዋን ኣብ ኣስመራ እንዳሃለዋ ስለዝሞታብሰንኪ ኲናት ኣይቀበርክዎን፡፡ ወላዲኦምኣይተ ተኽለ ተድላ ግና ብ1968 ዓመተ ምህረት እዮም ዓሪፎም፡፡

ብ1990 ዓመተ ምህረት ናብ ወልቃ ይት ወሪዱ ምስ ስድርኡክላለ ይሓስብ ዝነበረ ሃብተኣብ ብሰንኪ ኢትዮ ኤርትራ ኲናት ኣብኣስመራ ዝነበረ ወዲ ኣኩኡ ብዘይምምፅኡ እቲ መደብኣይተዓወተን፡፡ በለጠ ዝተብሃለ ቤተ ሰቡ‘ውን ኣብ ሱር ይሰርሕነይሩ፡፡ ኣድብዮም ዝፀንሑ ወታሃደራት ሻዕብያ ኣብ ዓዲ ጎሹ ቀቲሎምዎ፡፡

ብሰንኪ እዚ ምኽንያት እቲ መደብ ተሰ ይሩ፡፡ ሕዚ ግና ሙሴዝተሰወአሉ መበል 40 ዓመት ኣብ መስከረም ኣብቲ ዝተቐበረሉከባቢ ሕቑፊ ዕምበባ ንምንባርን እንዳ ወለድና ወል ቃይት ከይድናምስ ስድራና ንምልላይን መደብ ሒዝና ኣለና ኢሉኒ ኣይተሃብተኣብ፡፡

ዘርኣውን ዓሌታውን ኣተሓሳስባ ዘይነበሮ ሙሴ ካብ ህዝባዊግንባር ወፂኡ ምስ ህወሓት ኮይኑ ክቃለስን ክቡር መስዋእቲክኸፍልን ዝኽኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት ትግራ ዋይነት እዩ ነይሩ፡፡

ዝኽረ ሙሴ መበል 40 ዓመት ምኽንያት ብምግ ባር ንመንነትንትግራዋይነትን ሙሴ ኣመልኪቱ ዝፀሓፍክዎ ፅሑፍ ዓሌት ንምቑፃርኣይኮነን፡፡ ‘‘ዓሌት ምቑፃር ዝካኣል ኣይመስለ ንን፡፡ ዘጣምረካ ግናእቲ ታሪኽ እዩ፡፡ ታሪኽ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣክሱም እዩዝጅምር፡፡ ህዝቢ ትግ ራይ ኣብ ትሕቲ ፅላል ሓደ ሕግን ስርዓትን ፣ባህልን ቋንቋን ንነዊሕ እዋን ብሓባር ፀኒሑ፡፡ ህዝቢ ባህሉ ፣ ቋንቁኡ፣ ስርሑ፣ ሕግታቱን ስርዓቱን ከምኡ‘ውን መውስቦታቱን እናቐፀለእዩ ዝኸ ይድ፡፡ ትግራዋይ መን እዩ ንዝብል ሕቶ መንነት ኣብ ፅላልኣኽሱም ተሓቚፉ ዝኸይድ ዝነበረ ህዝቢ እዩ፡፡ ድሕሪ ውድቀትዘበነ መሳፍንቲ ትግራይ ግና ናብዙይ ናብ ቱይ ተጨላሊፉ ባህሉንቋንቁኡን ንክቕይር ከምኡ እናበለ ኣሰራርሓን ባህልን እናተቐየረስለዝመፀ እዩ፡፡

ስለዚ ተጋሩ ከም ተጋሩ ዝሓለፍና ዮም ኩነታት ከምዘሎወሲድና ቋንቋን ባህ ልን መሰረት ጌርካ ግና ተጋሩ ናይ ባዕልና መለለይን ንነዊሕ እዋን ምሳና ዝነበረ ትግራዋይነት ኣለና፡፡‘‘ ይብልሃብተኣብ ተኽለ፡፡

‘‘ይኹን‘ምበር ውድቀት ዘበነ ኣክሱም ንፀላእትን ትምክሕተኛታትን በሪ ከፊቱሎም ተጋሩ ተበታቲና ነይርና፡፡ ሳላ ቃልስናሓቢርና ኣለና፡፡ ሕዚ‘ውን እዛ ፈላላይት ፈተና ተመሊሳ ከይትመፅእልቦና ዘለዎ ትግራዋይ ክሓስብን ስለምንታይ እዩ ትግራዋይንምድኻም ይሕሰብ ዘሎ ኢሉ ርሑቕ ኣሚቱ ከማዓ ዱን ክሓስብንዘለዎ‘‘ ዝብል መልእኽቲ እዩ ኣሕሊፉ ኣይተ ሃብተኣብ ተኽለ፡፡

ተጋዳላይ መሓሪ ተኽለ (ሙሴ) መወዳእታ 1965 ዓ/ም ምስህግሓኤ ማለት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ) ተጋዲሉ። ብ1967ዓ/ም ምስ ማገብት ተራኺቡ። ክሳብ ዝስዋእ ኣባል ማእኸላይኮሚቴን ሓላፊ ወታደራዊ ክን ፍን ህወሓት ነይሩ። መስከረም 1969ዓ/ም ኣብ ጨዓ መስከበት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኢድዩ፣ ብዝለዓለጅግንነት እናመርሐ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ መወዳእታ ካብቶም ተረፍመረፍ ኢድዩ ብዝተተኮሰት ጥይት ተወቒዑ ብጅግንነት ተሰዊኡ።

ዝኽረ መስዋእቲ ሙሴ ተኽለ /መሓሪ /ኣብ መስከረም 40 ዓመቱ ይኸውን ኣሎ፡፡ጅግና ብመስዋእቲ ካብ ዝፍለ 40 ዓመ ታትተቖፂሮም፡፡ ሕድሪ ዕላምኡን ኩሎም ስውኣትንድማ ፍረ ኣፍርዩ ደበስ መስዋእቶም ልምዓትኮይኑ፡፡ ክብርን ሞገስን ንሰማእታት፡፡

ዓብዪ ሓው ንሙሴ ኣይተ ሃብተኣብ ተክለ