ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን...

8
መበል 23 ዓመት ቁ.106 15 ታሕሳስ ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 2 ኢንተርነት ናይ መን’ዩ? ገጽ 4 በዓል ወጻኢ ገጽ 6 “ቋንቋ ሳሆ ክምህረሉ ምስ ጀመርኩ’የ ብዕምቈት ክፈልጦ ዕድል ረኺበ” ገጽ 5 መልመስቲ ድቁስ ሰብ 2013 ሰንበት ገጽ 7 ተስፎም - ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዜና ሰንበት - የማነ ሃይለ ንግስቲ ኤልሳበጥ ‘ፖሊስ ቆሎይ እናበልዑለይ’ ትብል ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ንጉሳዊ ህንጻ ባኪንግሃም ዝርከቡ ናይ ዘውዲ ኣባላት ፖሊስ ‘ቆሎይ እናበልዑለይ’ ክትብል ተማርር ከምዘላ፡ ንምንጭታት ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እታ ንግስቲ ኣብ ኮሪደራት ናይቲ ህንጻ ዝቕመጥ ዝተፈላለየ ዓይነት ቆሎ ዝመልአ ሒላባት ኣለዋ። እቶም ኣባላት ሓለዋ ናይቲ ሃጸያዊ ህንጻ በብዝሓለፍዎ እናቖንጠሩ ስለዘሸገርዋ፡ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ተላኢኽሎም ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ እታ ንግስቲ፡ ነቲ ሒላባት ክሳብ ኣበይ መሊኡ ከምዘሎ ቀለም ጌራ ሕላገት ጌራትሉ ኣላ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መጠንቀቕታኣ “መጠግጠግ ዝብል ኣእዳውኩም ኣክቡለይ’ ኢላቶም ኣላ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ዝወጸ፡ ናይታ ንግስቲ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ጠሊፍኩም ናይ ዝተባህሉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ክልተ ኤዲተራቶምን ጉዳይ ንምርኣይ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ እዩ። ነቲ ጉዳይ ሸፈነ ንምሃብ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኽበ ፍሉይ ጋዜጠኛ ህንጻ ብኪንግሃም ድማ’ዩ ነዚ ከይተሰምዐ ዝጸንሐ ናይታ ንግስቲ መረረ ንግዳም ዘውጽኦ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንክሱሳት ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ጭብጥን መሰረትን ስኢንሉ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። እቲ ጉዳይ ብጋዜጣታት እንግሊዝ ዓቢይ ሸፈነ ድሕሪ ምርካቡ እዋናዊ ናይ ዕላል ኣርእስቲ ኮይኑ እኳ እንተሎ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ናይታ ጓል 87 ዓመት ንግስቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ግን ዛጊት የለን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ ብልዑል ሙቐት ከምዝመክኽ ብምግባር ማይ ከውጽኡ ከምዝኸኣሉን፡ ካብቲ ማይ ዝርከብ ሃይድሮጂን ዝተባህለ ባእታ ከም ሓድሽ ምንጪ ናይ ጸዓት ከገልግል ከምዝኽእልን ተገሊጹ። እዚ ሓድሽ ሜላ ካብ ውሱን ኣኻውሕ ብዝሒ ዘለዎ ናይ ሃይድሮጂን ጋዝ ንምምንጫው ስለዘኽእል ከም ሓምላይ ምንጪ ናይ ጸዓት እምነት ተነቢሩሉ ኣሎ። እቲ ኣገባብ እቲ ብባህርይ ንኽፈላለ መዋእል ዝወስድ ስነ-ቀመማዊ መስርሕ (ኬሚካል ሪኣክሽን)፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ከምዝካየድ ብምግባር እዩ ዝትግበር። ኣብቲ መስርሕ፡ እቲ ብክልተ ናይ ካብ ከውሒ ተጸሚቑ ዝወጽእ ማይ? ኦክስጂን ዋህዮታትን (ኣቶምስ) ብሓደ ናይ ሃይድሮጂን ዋህዮን (ኣቶም) ዝቖመ ማይ ከምዝመቓቐል ይኸውን’ሞ፡ እቲ ሓደ ናይ ኦክስጂን ኣቶም ከምዝሃፍፍ ምስተገብረ፡ ብሓደ ናይ ኦክስጂን ኣቶምን ብሓደ ናይ ሃይድሮጂን ኣቶምን ዝቖመ ሰርፐንታይን ዝተባህለ ማዕድን ይቐውም። እዚ ቀመማዊ መስርሕ’ዚ፡ ዋላ’ኳ ብኣዝዩ ድንጉይ ኣገባብ እንተኾነ፡ ኣብ ውቅያኖሳት ዝርከቡ ኣኻውሕ ብባህርይ ከምዝካየድ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። እቲ ምርምራዊ ስራሕ ኣድህቦ ናይ ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት እውን ስለዝሰሓበ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ይረዳድእሉን ይካትዕሉን ከምዘለዉ’ዩ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ መወዳእታ ዘነጽር። ኣብ ከተማ ናንቻንግ (ቻይና) ሰለስተ ኣዒንቲ፡ ክልተ ኣፍንጫን ክልተ ኣፍን ዘለዋ ሓሰማ ከምእተወልደት ሜትሮ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ። እታ ውላድ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሓደ ሰዓት ከካብ ኣዲአን ዝተወልዳ ዓሰርተ ወለሊድ ምዃና ዝጠቐሰ ዋንኣ፡ ብህይወት ክትቅጽል እንተዘይክኢላ፡ ብመልክዕ መግቢ ተዳልያ ክትብላዕ ምዃና ገሊጹ ኣሎ። ሓረስታይ፡ ጀንሸንግ እታ ቻይና፡ ክልተ ርእሲ ዘለዋ ሓሰማ ተወሊዳ ውላድ ጡብ ክጠቡ ክትፍትን እንከላ ነየናይ ኣፋ ክትጥቀም ከምዘለዋ ከምእትጠራጠር ገሊጹ። “ከምኡ ክትገብር እንከላ ከኣ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሓደ ኣፋ ኣብ ሓንቲ ጡብ እቲ ካልኣይ ኣፋ ድማ ኣብ ክልእ ጡብ ትገብሮ እሞ ከይሰለጣ ይተርፍ” ድማ ይብል። ኣብ ቻይና ዘይንቡር ኣካላት ሒዞም ዝውለዱ እንስሳታት ብዙሓት እዮም። እቲ ተርእዮ ብህይወት ናይ ምቕጻሎም ዕድል ከምዘማህምኖ፡ እንተቐጺሎም እውን ዕድሚኦም ሓጺር ምዃኑ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ የረድኡ። ኣብ ከተማ ሎንደን (እንግሊዝ) 10 ሚልዮንን ፈረቓን ፓውንድ ስተርሊን ዝዋግኡ መጋየጺ ኣፓርትማ ንመሸጣ ተቐሪቡ ከምዘሎ ማዕከን ዜና’ሃገር ሜትሮ ገሊጹ። እቲ ኣፓርትማ ኣብ ገምገም ናይ ነታ ሎንደን፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ፓውንድ ዝዋጋኡ ኣፓርትማ ንመሸጣ ይቐርብ ከተማ ኣብ ክልተ ዝመቕላ ፈለግ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኴንካ ብቬትሮ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ዘለዎ ፈለግ ኢኻ እትርኢ። እቲ ሓበሬታ ጋምትሪ ኣብ ዝተባህለ መሸጣ ናይ ዝተፈላለዩ ነገራት ዘሳልጥን ዝሕብርን ትካል’ዩ ወጺኡ ዘሎ። እዚ ኣርባዕተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ኣፓርትማ በቲ ተተሚንሉ ዘሎ ዋጋ እንተደኣ ተሸይጡ ከኣ፡ ኣብ ታሪኽ ናይቲ ትካል ክብረ-ወሰን ክሕዝ እዩ። እቲ ገዛ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎ ዘወናውን ሳሎን፡ ዝተፈለለዩ ነቲ ፈለግ ብዝተፈላለየ ኩርናዓቱ ዘጠምቱ ባልኮኒታትን ክልተ ናይ መካይን መዐሸጊ ቦታን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ነቲ ኣፓርትማ ዝሸይጥ ዘሎ ትካል፡ እቲ ገዛ እዚ ሓበሬታ ካብ ዝወጸሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ብዓደግቲ ክምንጠል ምዃኑ እምነቱ ገሊጹ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝቐረበሉ ጠለባት ግን ዝሃቦ መግለጺ የለን።

Transcript of ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን...

Page 1: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

መበል 23 ዓመት ቁ.106 15 ታሕሳስ ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 2

ኢንተርነት ናይ መን’ዩ?²Ãö 3

ገጽ 4

በዓል ወጻኢ

ገጽ 6“ቋንቋ ሳሆ ክምህረሉ ምስ ጀመርኩ’የ ብዕምቈት ክፈልጦ ዕድል ረኺበ”

ገጽ 5መልመስቲ ድቁስ ሰብ

2013

ሰንበት

ገጽ 7ተስፎም - ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ

ዜና ሰንበት - የማነ ሃይለ

ንግስቲ ኤልሳበጥ ‘ፖሊስ ቆሎይ እናበልዑለይ’ ትብል

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ንጉሳዊ ህንጻ ባኪንግሃም ዝርከቡ ናይ ዘውዲ ኣባላት ፖሊስ ‘ቆሎይ እናበልዑለይ’ ክትብል ተማርር ከምዘላ፡ ንምንጭታት ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እታ ንግስቲ

ኣብ ኮሪደራት ናይቲ ህንጻ ዝቕመጥ ዝተፈላለየ ዓይነት ቆሎ ዝመልአ ሒላባት ኣለዋ። እቶም ኣባላት ሓለዋ ናይቲ ሃጸያዊ ህንጻ በብዝሓለፍዎ እናቖንጠሩ ስለዘሸገርዋ፡ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ተላኢኽሎም ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ እታ ንግስቲ፡ ነቲ ሒላባት ክሳብ ኣበይ መሊኡ ከምዘሎ ቀለም ጌራ ሕላገት ጌራትሉ ኣላ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መጠንቀቕታኣ “መጠግጠግ ዝብል ኣእዳውኩም ኣክቡለይ’ ኢላቶም ኣላ።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ዝወጸ፡ ናይታ ንግስቲ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ጠሊፍኩም ናይ ዝተባህሉ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ክልተ

ኤዲተራቶምን ጉዳይ ንምርኣይ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ እዩ። ነቲ ጉዳይ ሸፈነ ንምሃብ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኽበ ፍሉይ ጋዜጠኛ ህንጻ ብኪንግሃም ድማ’ዩ ነዚ ከይተሰምዐ ዝጸንሐ ናይታ ንግስቲ መረረ ንግዳም ዘውጽኦ።እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንክሱሳት ቀሪብሎም

ዘሎ ክሲ ጭብጥን መሰረትን ስኢንሉ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።እቲ ጉዳይ ብጋዜጣታት እንግሊዝ

ዓቢይ ሸፈነ ድሕሪ ምርካቡ እዋናዊ ናይ ዕላል ኣርእስቲ ኮይኑ እኳ እንተሎ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ናይታ ጓል 87 ዓመት ንግስቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ይኹን ርእይቶ ግን ዛጊት የለን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ ብልዑል ሙቐት ከምዝመክኽ ብምግባር ማይ ከውጽኡ ከምዝኸኣሉን፡ ካብቲ ማይ ዝርከብ ሃይድሮጂን ዝተባህለ ባእታ ከም ሓድሽ ምንጪ ናይ ጸዓት ከገልግል ከምዝኽእልን ተገሊጹ።እዚ ሓድሽ ሜላ ካብ ውሱን ኣኻውሕ

ብዝሒ ዘለዎ ናይ ሃይድሮጂን ጋዝ ንምምንጫው ስለዘኽእል ከም ሓምላይ ምንጪ ናይ ጸዓት እምነት ተነቢሩሉ ኣሎ። እቲ ኣገባብ እቲ ብባህርይ ንኽፈላለ መዋእል ዝወስድ ስነ-ቀመማዊ መስርሕ (ኬሚካል ሪኣክሽን)፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት

ደቓይቕ ከምዝካየድ ብምግባር እዩ ዝትግበር።ኣብቲ መስርሕ፡ እቲ ብክልተ ናይ

ካብ ከውሒ ተጸሚቑ ዝወጽእ ማይ?

ኦክስጂን ዋህዮታትን (ኣቶምስ) ብሓደ ናይ ሃይድሮጂን ዋህዮን (ኣቶም) ዝቖመ ማይ ከምዝመቓቐል ይኸውን’ሞ፡ እቲ ሓደ ናይ ኦክስጂን ኣቶም ከምዝሃፍፍ ምስተገብረ፡ ብሓደ ናይ ኦክስጂን ኣቶምን ብሓደ ናይ ሃይድሮጂን ኣቶምን ዝቖመ ሰርፐንታይን ዝተባህለ ማዕድን ይቐውም። እዚ ቀመማዊ መስርሕ’ዚ፡ ዋላ’ኳ

ብኣዝዩ ድንጉይ ኣገባብ እንተኾነ፡ ኣብ ውቅያኖሳት ዝርከቡ ኣኻውሕ ብባህርይ ከምዝካየድ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።እቲ ምርምራዊ ስራሕ ኣድህቦ ናይ

ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት እውን ስለዝሰሓበ፡

ብዙሓት ተመራመርቲ ይረዳድእሉን ይካትዕሉን ከምዘለዉ’ዩ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ መወዳእታ ዘነጽር።

ኣብ ከተማ ናንቻንግ (ቻይና) ሰለስተ ኣዒንቲ፡ ክልተ ኣፍንጫን ክልተ ኣፍን

ዘለዋ ሓሰማ ከምእተወልደት ሜትሮ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።እታ ውላድ ሓንቲ ካብተን ኣብ

ሓደ ሰዓት ከካብ ኣዲአን ዝተወልዳ ዓሰርተ ወለሊድ ምዃና ዝጠቐሰ ዋንኣ፡ ብህይወት ክትቅጽል እንተዘይክኢላ፡ ብመልክዕ መግቢ ተዳልያ ክትብላዕ ምዃና ገሊጹ ኣሎ።ሓረስታይ፡ ጉ ጀንሸንግ እታ

ቻይና፡ ክልተ ርእሲ ዘለዋ ሓሰማ ተወሊዳ

ውላድ ጡብ ክጠቡ ክትፍትን እንከላ ነየናይ ኣፋ ክትጥቀም ከምዘለዋ

ከምእትጠራጠር ገሊጹ። “ከምኡ ክትገብር እንከላ ከኣ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሓደ ኣፋ ኣብ ሓንቲ ጡብ እቲ ካልኣይ ኣፋ ድማ ኣብ ክልእ ጡብ ትገብሮ እሞ ከይሰለጣ ይተርፍ” ድማ ይብል።ኣብ ቻይና ዘይንቡር ኣካላት ሒዞም

ዝውለዱ እንስሳታት ብዙሓት እዮም። እቲ ተርእዮ ብህይወት ናይ ምቕጻሎም ዕድል ከምዘማህምኖ፡ እንተቐጺሎም እውን ዕድሚኦም ሓጺር ምዃኑ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ የረድኡ።

ኣብ ከተማ ሎንደን (እንግሊዝ) 10 ሚልዮንን ፈረቓን ፓውንድ ስተርሊን ዝዋግኡ መጋየጺ ኣፓርትማ ንመሸጣ ተቐሪቡ ከምዘሎ ማዕከን ዜና’ሃገር ሜትሮ ገሊጹ።እቲ ኣፓርትማ ኣብ ገምገም ናይ ነታ

ሎንደን፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ፓውንድ ዝዋጋኡ ኣፓርትማ ንመሸጣ ይቐርብ

ከተማ ኣብ ክልተ ዝመቕላ ፈለግ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኴንካ ብቬትሮ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ዘለዎ ፈለግ ኢኻ እትርኢ።እቲ ሓበሬታ ጋምትሪ ኣብ ዝተባህለ

መሸጣ ናይ ዝተፈላለዩ ነገራት ዘሳልጥን

ዝሕብርን ትካል’ዩ ወጺኡ ዘሎ። እዚ ኣርባዕተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ኣፓርትማ በቲ ተተሚንሉ ዘሎ ዋጋ እንተደኣ ተሸይጡ ከኣ፡ ኣብ ታሪኽ ናይቲ ትካል ክብረ-ወሰን ክሕዝ እዩ።እቲ ገዛ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎ ዘወናውን

ሳሎን፡ ዝተፈለለዩ ነቲ ፈለግ ብዝተፈላለየ ኩርናዓቱ ዘጠምቱ ባልኮኒታትን ክልተ ናይ መካይን መዐሸጊ ቦታን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።ነቲ ኣፓርትማ ዝሸይጥ ዘሎ ትካል፡ እቲ

ገዛ እዚ ሓበሬታ ካብ ዝወጸሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ብዓደግቲ ክምንጠል ምዃኑ እምነቱ ገሊጹ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝቐረበሉ ጠለባት ግን ዝሃቦ መግለጺ የለን።

Page 2: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 2

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ሰንበት ምስ ተማሃሮ

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

Teacher: What is the formula for water?Student: H, I, J, K, L, M, N, OTeacher: That’s not what I taught you.Student: But you said the formula for water

was…H to O.

Aryam and BietyWarsay Yikallo Sec. School - Sawa

source: jokes of schoolFANY JOKES!

1. Using infinitive instead of a finite verb.

Don’t say: Sir, to go home to bring my book?

Say: Sir, may I go home to bring my book?

The infinitive simply names an action without reference to person, number or time. Therefore, it cannot make sense without the help of a finite verb.

2. Mixing up the tenses.

Don’t say: They asked him to be captain, but he refuses.

Say: They asked him to be captain, but he refused.

MISUSED FORMS

THE USE OF WRONG TENSE

Source: COMMON MISTAKES IN ENGLISH

ኣብ ግዜ ግዝኣት ሞሰፖታምያ ኣገደስቲ ዝነበሩ ሰብ። ዘርኢ ሳምራውያን እዮም፣ ካብ ስሞም ዝተላዕለ ከኣ ሃገሮም “ሳምራ” ተባሂላ፣ነዊሕ ዓመታት ቅድሚ 3000

ቅ.ል.ክ. ኣብ ሳምራ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ዝተደኰና ከተማታት። ሓውሲ ከተማታትን ዓዲታትን ዝነበሮም ስልጡናት ህዝቢ’ዮም፣ ኣብ ሞንጐ ክልተ ዓበይቲ ኣፍላጋት ይነብሩ ብምንባሮም ከም ግብጻውያን ጥበብ ሕርሻ ተማሂሮሙሉን ተሞኵሮሙሉን ነበሩ፣ ኣብ ወሰናስን እቲ ኣፍላጋት ብኣብዑር ገይሮም ክሓርሱ። ብመትረባት ማይ እናስተዩ ብርኩት እቶት - ስርናይን ስገምን - ክሓፍሱ ከኣሉ፣ ብዘይካኡ እንስሳታት ዘቤት ብፍላይ ከብቲ። ኣባጊዕን ኣጣልን የራብሑ ነበሩ፣ ሓደ ምልክት ናይ ኣማልኽቶም’ውን ምስሊ ላም ነበረ፣ ሳምራውያን ካብ ነሓስ ዝተዳለወ

ኣጽዋርን መሳርሒታትን ነበሮም፣ ብተወሳኺ ኣብ ወርቂ። ብሩርን ምልኩዓት ኣእማንን ንፉዓት ጥበባውያን ምንባሮም እቲ ካብቲ ዝዓነወ ኣሰር ከተማታቶም ዝተረኽበ ስርሓቶም ይምስክር፣ ሃብታማት ነጋዶ ሳምራ። ካብ ከተማታቶም ሓሊፎም ናብ ጫፍ ምብራቕ ህንዲ። ንምዕራብ መዲተራንያን ብምኻድ ዝተፈላለዩ ብረታውያን ኣቝሑትን ካብ ጸምሪ

ኢንተርነት ዘይጥቀም ውሑድ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ኢንተርነት ዘይፈልጥ ግን ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስለንን፣ እንተ ወሓደ ብመገዲ ኢንተርነት ንዘርሓቐ መቕርብና ብቐጥታ መልእኽቲ ንሰደሉ እሰደልና’ዩ፣ ኢንተርነት ኣብ ዓለም ምሉእ ዝርከባ ኮምፕዩተራት ብመገዲ ናይ ተለኮሙኒኬሽን መራኸቢታት ኣቢሉ ዘራኽብ መርበብ እዩ፣ ንኣብነት ኣብ ሃገርና ዝርከባ ኮምፕዩተራት ነፍሲወከፈን ምስ መስመር ተለፎን ዝተሓሓዛ ኰይነን ማእከለን ድማ ኤሪ- ተል እዩ፣ ብመገዲ ኤሪተል ኣቢለን

ከኣ ናብ ዓለም ይራኸባ፣ ብተወሳኺ ብመገዲ ሳተላይት’ውን ክትራኸብ ይከኣል እዩ፣ እዚ መርበብ ኢንተርነት ንዩኒቨርሲቲታት። ንመጽናዕታዊ

ዝተዳለወ ክዳውንትን ይነግዱ ነበሩ፣ ጥንታዊ ንግዲ ኣቝሑት ብምልውዋጥ ይካየድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ’ዩ፣ እንተዀነ ሳምራውያን ካብ ብሩር ዝዳሎ “ሽከል” ዝተባህለ ኣብ ታሪኽ ገንዘብ ቀዳማይ ቦታ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ባጤራ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ይጥቀሙ ነይሮም፣ንሳምራውያን ስልጡናት ዘብሎም

ምኽንያት ሓደ ከጽሕፉ ይኽእሉ ምንባሮም እዩ፣ ናይ ሳምራውያን ጽሑፍ ካብ ናይ ግብጻውያን ዘይሓምቕ እኳ እንተዀነ ክልተኡ ግን ዝተፈላለየ ኣገባብ ይኽተል ነይሩ፣ ሳምራውያን ካብ ሓመድ ኣብ ዝተሰርሐ ጽላታት ይጽሕፉ ምንባሮም ይግለጽ፣ ኣብ ፈለማ ሓሳባቶም ብስእሊ ይገልጹዎ ነይሮም፣ ድሒሮም ከኣ ነዚ ጽሑፍ ኣማዕቢለሞ፣ ቍጽሪ - ብፍላይ ጂኦሜትሪን ኣርቲመቲክን - መካይድቲ ናብራኦም’ዩ ነይሩ፣ ንዓመት ኣብ 12 ኣዋርሕ ብምምቃል። ብወርሒ ዝምራሕ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣዳለው፣ እንተዀነ ቅኑዕ ኣይነበረን፣ እቲ ዓውደ ኣዋርሕ ነቲ ወቕቲ እንተ ቀዲሙዎ ሓደ ወርሒ ኣብ ሞንጐ እናእተው የካይዱዎ ነይሮም፣ሳምራውያን ምስቶም ናይቲ ግዜ

ግብጻውያን ብሰለሰተ ኣገደስቲ ነጥቢታት ይፈላለዩ ነይሮም፣ ሳምራውያን ካብ ጸምሪ ዝዳሎ ክዳውንቲ የፍርዩ።

ይኽደኑን ይነግዱን፤ ኣፍራስ ይጥቀሙ፤ መንኰርኰር ዘለወን ሰረገላታትን ኣብ መጓዓዝያኦም ይጥቀሙ ነይሮም፣ ብዙሓት ኣባጊዕ ናይ ምፍራይ ልምዲ ዝነበሮም ሳምራውያን ካብ ጸምሪ ዝዳሎ ክዳን ክኽደኑ ክቐሎም ባህሪያዊ እዩ፣ ብኣንጻሩ ግብጻውያን ናቶም ዝሕበኑሉ ካብ ቃንጫ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ሊኖ ስለ ዝነበሮም። ብጸምሪ ዝዳሎ ክዳን ከም ረሳሕ ክዳን ይቘጽሩዎ፣ እቲ ንዕኡ ተኸዲኑ ዝኸይድ ሰብ’ውን ኣብ ዓይኒ ኵሉ ሰብ ኣትዩ ይነዓቕ ነበረ፣ ንፈረስን ሰረገላን ግን ቀልጢፎም - ብ1800 ቅ.ል.ክ. - ኣብ ናብራኦም ክጥቀምሎም ክኢሎም፣ ሳምራ ኣብ ሞሰፖታምያ ኣብ

ሞንጐ ኣፍላጋት ትግሪስን ኢፍራጢስን ዝርከብ ቦታ’ዩ፣ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ዛንታታት ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከቡ። ዛንታ ገነት ኤደንን ማይ ኣይሂን ኣብቲ ቦታ ከም ዝተፈጸመ ይጽወ እዩ፣ ኣብቲ ቦታ ኵዕታ ብምክያድ ነተን ዝጠፈኣ ከተማታት ሳምራ ዘጽንዑ ፈላጣት። ኣብ ዝዓመቘ ኵዕታ ረጒድ ናይ ጭቃ ቀጸላ ከም ዝረኸቡ። ናይ ሓደ እዋን ዕልቕልቕ ጥራይ ከም ዘይኰነ ድማ ገሊጾም ነይሮም፣ እዚ ነቲ ንመርከብ ኖህ ዘንሳፈፈትሉ ቦታ ምዃኑ ግን መረጋገጺ ክኸውን ኣይከኣለን ዘሎ፣

መም. ምሕረትኣብ ጠዓመ

ሳምራ ዓዲ ሳምራውያን(4500 - 2000 ቅ.ል.ክ.)

ታሪኽ

ማእከላት። መንግስታዊ ትካላት። ንግዳዉያን ኮርፖረሽናት። መኽሰብ ዘይብለን ትካላትን ውልቀ ሰብን ሓበሬታ ክጥቀሙ። ሓደ ዓይነት ሓበሬታ ክማቐሉን ክለዋወጡን የኽእሎም፣ ሎሚ ኢንተርነት ምስ ፈተውቱን

ስድራቤቱን ዘይራኸበሉ። ዘድሊዮ ሓበሬታ ዘይፍትሸሉ። ዝተፈላለዩ ትምህርቲ ዘይረኽበሉን ዘይዘናግዓሉን ዳርጋ የለን ክበሃል ቀሪቡ ይኸውን፣ እዚ ንዓለም ናብ ሓንቲ ቍሸት ቀይሩዋ ዘሎ መርበብ ኢንተርነት። ብ1968 ብ“ARPA” ዝተባህለ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ንስነፍልጠታዊ ምርምርን ፐርሰነላት ምክልኻል ንሓድሕዶም ክራኸብሉን ብምባል ዝተገብረ እዩ፣ ድሕሪ 15 ዓመት ከኣ ውልቃውያን ትካላት ናተን መርበብ ከዳልዋ ክኢለን፣ ዝበዝሐ ዓቕሙ ንስነ-ፍልጠታውን ትምህርቲኣውን ነገራት የገልግል ነይሩ፣ ብዙሓት ሰብ። ብዙሓት ፈላጣት። ሰብ ርእሰ ማል እናሳተፈ ከኣ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ይርከብ፣ ኢንተርነት ናይ መን’ዩ? ብመን’ዩ

ዝውነን ዝገርመና ኣይሰኣንን ይኸውን እዩ፣ ንኢንተርነት ከም ናይ በይኑ ዋንነት ዝሓዞ ሰብ የለን፣ ነዚ መርበብ እትሕልዎን እትከላኸሎን ዝዀነት ትኹን ሃገር የላን፣ ኢንተርነት ኣብ ካልእ ዘይምርኰስ ርእሱ ዝኸኣለ መስርሕን ኣገባብ ምሕደራን ኣለዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኢንተርነት እትርከብ ወብሳይት ናታ ፖሊሲታት። መስርሓትን ሕጊታት ኣለዋ፣

ፊልሞን ተኽላይ - ዓዲቀይሕ

itክኖሎጂ ሓበሬታ ኢንተርነት ናይ መን’ዩ?

MISCELLANEOUS EXAMPLES

1. Confusion of gender.

Don’t say: The door is open: please shut her.

Say: The door is open: please shut it.

In English only names of persons and animals have gender (masculine or feminine). Things without life are neuter, and take the pronoun “it” in the singular.

NOTE. But when things without life are personified, they take masculine or feminine pronounce: as, “Time has his work to do”; “Eritrea is proud of her army.”

ሕቶኣብ ጢዖ ዝቕመጡ ክልተ ሰብኡት ኣቶ መሓመድን ኣቶ ረሽድን መምስ ሓደ

ወዶም ናብ ባሕሪ ዓሱ ክሕዙ ኣተው፣ ኵሎም ከኣ ሓሓደ ዓሳ ብዓንቃሪቦ ሓዙ፣ ናብ ገዛኦም ምስ ተመልሱ ግን ኣብቲ ዘንቢል ሰለስተ ዓሳ ጥራይ ጸንሐ፣ ዝተበልዐ። ዝተጠፈአን ዝተሰንደወን ዓሳ ኣይነበረን እሞ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? (መስሊ ቅድሚ ምርኣይኩም ፈትኑ)

መልሲናብ ባሕሪ ሰለስተ ሰብ’ዮም ከይዶም፣ ሙሳ ምስ ኣቦኡ መሓመድን ኣባሓጎኡ

ረሽድን፣

common mistakesin Englishብተደጋጋሚ ዝርኣዩ ጌጋታት

ኣብ እንግሊዝኛ

...ድፍኢትኩም ንገሩኒ?” እዛ ንእሽተይ ኵርናዕ ንናይ ኵላትና ድፍኢት ኣባልዓ ሓምሳ እናገበረት ቀዲሓ

ክትውድኦ ተስፋ ኣለኒ፣ ምኽንያቱ ንሕና ኣብዚ ግዜ ብሓቂ ነቲ ድፍኢትና። ነቲ ብውሽጥና ዝምስጠና። እነፍቅሮ ዓውዲ ክንመርጽ ከም ዘለና ከተነጽረልና ትኽእል ኰይኑ እስመዓኒ፣ ገለ ሰብ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ኣቐዲሞም ዝተማህሩሉ ኮሌጅ ክኣቱ ዝደሊ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ካብቲ ብዙሕ ዘሸግሮ ኣሕዋቱ ክዘርዩሉ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ ይሓስብ ይኸውን፣ ገለ ከኣ ንእዝኑ’ምበር ንልቡ ከይሰመዐ “ኣብዚኣ ይሕሸካ!” ኣብ ዝበሉዎ ዝኣቱ፣ ገለ ከኣ ኣሎ ንሓደ ዓውዲ ብመጠን እቲ በዚ እዋን ዝረኽቦ ኣታዊ ዝጥምቶ፣ ገለ’ባ ኣሎ ተማሂሩ ዘይጸገብ፣ እታ ዝመርጻ ዓውዲ ቀልጢፋ ትምህርቲ ከተቐጽል ትኽእል ድያ ኢሉ ዝሓስብ፣ ገለ ከኣ ኣሎ ውሑጅ ናብ ዝወሰዶ ዝውሰድ። ኣብ ዝገፍዖ ከኣ ዝጽጋዕ፣ ካብዚ የድሕንኩም!! ኣነ ብወገነይ... ኣቱም ናይ ልብኹም ተፍቅሩዎ። ከተጽንዑዎ ናይ መዋእል

ሕልሚኹም ዝዀነ ክንደይ ተዓዊቱልኩም፣ ምኽንያቱ ካብ ናይ ኵሉ ምርጫታት እቲ ዘዕግብን ዘሐጕስን ንሱ ስለዝዀነ፣ በሉ ናተይ ድፍኢት ድፍኢት ተማሃሮይ ዝወጽኣሉ ኣፍደገ ንምኽፋት ክጽዕር ዝህውጸኒ እዩ፣

መም. ምሕረትኣብ ጠዓመ

“ድፍኢት ውሽጠይ ክነግረኩም... መልእኽቲ

ኣለኩም!

“ኣብ ኵሉ ድንቂ ስራሕ ናይ በላሕቲ ሰብ። ኣቐዲምና ዝነጸግናዮም ሓሳባትና ኢና እንዝክር፣”

- ራልፍ ዋልዶ ኤመርሰን

Page 3: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

ስዒድ ሳልሕወግዒ

ብርዒ

ሓዳስ ኤርትራ

ሸባብ 15 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 3

ደዋሊ፣- ሄለው ሃማመተኤ ኣገልግሎት ምኽሪ ብቴሌፎን ድዩ?

ኣማኻሪት፣- እወ ጽቡቕ ኣለኻ እንታይ ክሕግዘካ?

ደዋሊ፣- ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ እየ፣ ናይ ኮለጅ ትምህርተይ ዛዚመ ኣብ ስራሕ፣ ኣብ ኮለጅ ከለኹ መማህርተይ ዝነበረት ዓርኪ ኣላትኒ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታታት ከለና ስድርኣ ምስ ሓደ ካብ ወጻኢ ዝመጽአ ከመርዕውዋ ይደልዩ ኣለዉ። ክልቴና ኣዚና ስለ ንፋቶ ኣይደለናዮን። ነቲ ናይ መርዓ ሓሳባት ከነፍርሶ እኳ እንተ ተረዳዳእና ንሳ ግን ኣይሓገዘትንን።

ደዋሊ፣- ወለዳ ምስ’ቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽአ ንኸመርዕውዋ ወዲኦሞ እዮም። ወላ’ኳ ንሳ ዓርኪ ኣለኒ ትበሎም ምርዳእ ኣብዮማ እዮም። ነዚ ክንሰግሮ ዘኽእለና ሜላ እንተሎ ጥንሲ ምስ ትሕዝ ጥራሕ እዩ። ነዚ ድማ ምስ’ኣ ከም ሓሳባት ተረዳድእናሉ ኢና።

ኣማኻሪት፣- ከተጥንሳ ማለትካ ድዩ?

ደዋሊ፣- እወ።

ኣማኻሪት፣- እዚ ክትወስዶ ትሓስብ ዘለኻ ስጉምቲ ግን ሓሲብካሉ ዲኻ? ንኣብነት ኩነታት ናይ’ቶም ብፍኑው ጾታዊ ርክባት ናይ ዝመሓላለፉ ሕማማትን መጻኢ ናይ’ቲ ብእትወስድዎ ምርጫ ዝመጽእ ቆልዓ፣ ብፍላይ ወለዳ ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ነዚ ብምፍጻማ እንተ ዘይተቐቢሎማ ክሳዕ ካብ ገዛ ናይ ምስጓግ ኩነታት ከጋጥማ እውን ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ክንዲ ብስምዒት ተደፋፊእኩም ትፍጽምዎ፣ ሃዲእኩም ርኣይዎ።

ደዋሊ፣- ኣብ’ዚ ብሓንሳእ ዝዞርናሉ እዋናት ጾታዊ ርክብ ክንፍጽም ጸኒሕና ኢና። ቅድሚኡ ርክብ ቅድሚ ምጅማርና ግን ክልቴና መርመራ ናይ ኤች ኣይ ቪ ጌርና ነይርና። ነጻ ምዃና ምስ ኣረጋገጽና ርክብ ጀሚርና። እዚ ተሓሲቡ ዘሎ መርዓ ብጥንሲ ከነፍርሶ ኢልና ምሕሳብና ብወለዳ

ክመጽኣ ዝኽእል ተቐባልነት ወይ ተቓውሞ እንታይ ይመስል ሓቲተያ። ንሳ ከም ዝበለቶ እቲ ወጻእተኛ ወዲ ሃብታም ስለ ዝኾነ። ኣቦኣ በዚ ሰዲዑ ክህባ እኳ እንተ መረጸ ኣደኣ ግን ኣይፈተወትን ዘላ። ምኽንያቱ እቲ ክምርዓዋ ዝሓስብ ኣብ ደገ ተመርዕዩ ሓደ ቆልዓ ወሊዱ ተፋቲሑ ዝብል ሕሜታ ኣሎ።

ኣማኻሪት፣- ስለ’ዚ ጥንሲ እንተጋጢሙ ናይ ምምርዓው (ክልቴኹም) ተኽእሎ ኣሎ ዝብል ግምት ድዩ ዘለካ?

ደዋሊ፣- እወ ይኹን እምበር ሕጂ ብወገን ኣፍቃሪተይ ዝርእዮ ዘለኹ ነቲ ብሓንሳብ ዘንቀልናዮ ኣብ ምትግባር እምንቲ ኮይና ኣይረኸብኩዋን።

ኣማኻሪት፣- እንታይ ዘየእምን ኩነታት ሪኢኻላ?

ደዋሊ፣- ብዘይዝኾነ መከላኸሊ ከይተጠቐምና ካብ ንራኸብ ወርሕና ኣሕሊፍና ኣለና። ዛጊት ክትጠንስ ግን ኣይከኣለትን።

ምኽሪ ሰንበት ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ምኽሪ ብተሌፎን ካብ ዝጅምር፣ ብዙሓት መንእሰያት ተጠቐምቲ ናይ'ዚ ኣገልግሎት ኮይኖም ኣለዉ። ንኡስ ዓምዲ "ምኽሪ

ሰንበት" እምበኣር ንገለ ካብ'ቲ ብቑጽሪ ስልኪ 124256 ወይ ብቑ.ሳ.ጶስጣ 1042 ናብ "ሆት ላይን" ዝቐርብ ሕቶታት እያ እትምልስ።

ምምስሳል ዶ ምምልላእ

“ከም ሎሚ መቸም ተሓጒሰ ኣይፈልጥን’የ”

“ግርም፣ እንታይ ተረኽበ?”

“ብኹልንትናኡ፣ ልክዕ እንታይ’ሞ ክብለኪ’የ ዳርጋ ኩሉ ነገሩ ዝመሳሰለኒ ሰብ ረኺበ”

“እዚ ደኣ’ሞ ከመይ ኢሉ’ዩ ክንድ’ዚ ዘሐጉሰኪ?”

“እዋእ! እንታይ ኢኺ ወደይ ንስኺ? ብኹልንትናኡ ንዓይ ዝመስል ሰብ ረኺበ ደኣ ጭድድ ፍንጭሕ እብል’በር። ወረ ክንምርዖ ኢና ወሲንና። ንሰቐጥቀጥ ጥራሕ ተዳለዊ መሓዛይ።”

“ክሓተኪ ዶ?”

“እውይ ኣቲ’ታይ ኢኺ ንስኺ? ንኹሉ ነገር ብሓታቲ ዓይኒ ምጥማት እምበር ተሰቢሉኪ። ብዝዀነ ሕተቲ ሕራይ?”

“ቀላል’ያ እታ ሕቶ”

“ሕራይ እንታይ’ያ?”

“ንምንታይ ትምርዓውዮ

ኣለኺ?”

“እዋእ! እንታይ ድየ ክብለኪ ጸኒሐ?! ኣብ ርእሲ ዘለና ፍቕሪ፣ ዳርጋ ኩሉ ነገሩ’ዩ ምሳይ ዘመሳስሎ። ካብዚ ንላዕሊ’ሞ እንታይ ምኽንያት ደሊኺ። ወይስ እዚ’ዩ ምርዳእ ኣብዩኪ?”

“ዘይተረደኣኒ መኣስ ኰይኑ፣ ገሪሙኒ ጥራሕ’ዩ። ናብ ሓዳር ዘብጽሓካስ ምምስሳልካ ድዩ ወይስ ምምልላእካ ኢለ’የ ዝሓስብ ዘለኹ!”

“እንታይ?!!!!!”

እዚ ምስታ ንመርዓ ኣብ ምሽብሻብ ዘላ መሓዛይ ካብ ዘዕለልናዮ ገለ ክፋል’ዩ። ወያ.. መሓዛይ ብኹሎም ነገራቱ ንዓኣ ዝመስል ጐበዝ ብምርካባ ዓለም ከም ኣብ ኢዳ ምጭባጥ’ያ ትሓስቦ ዘላ። ኣነ ግን ይሓስብ! ክትምርዖ ወይ ሓዳር ክትበጽሕ ዝገብርሲ ክትማሳሰል ምኽኣልካ ድዩ ወይስ ክትመላላእ?

ሰብ ብብዙሕ ነገር ክመሳሰል ንቡር ተርእዮ’ዩ። ኣብ ብዙሕ መድረኻት ህይወትና ብብዙሕ ነገሮም ንዓና ዝመስሉ ሰባት

ገጢሞምና ኣለዉ። ንፈትዎ ዝፈትዉ፣ ንጸልዎ ዝጸልኡ፣ ከም ኣከዳድናና ባህ ዝብሎም ወዘተ. ። ንዓና ምስ ዝመስሉ ብምህላውና ምቸኡነት ክስምዓና ባህርያዊ’ዩ። ሓደ ዝኽንቲተን ኣዕዋፍ ብሓደ ይበራ፣ ከም ዝተባህለ ኸኣ

ምስ መመሳስልትና ክንህሉ ኣይንጽገምን። ግን ሰባት ብባህሪ ምሉኣት ኣይኰንናን። እንተ በዚ እንተ በቲስ ጎደሎ ኣለና። እቲ ኣብ ህይወት ከሰንየና ዘለዎ መጻምድቲ እምበኣር ነዚ ጎደሎ ዝምልእ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። እንተዘይኮይኑስ ንመን ምኳንና

ኣብ ካልእ እናረኣናዮ ኢና ክንነብር።

ንኣብነት’ሞ ንውሰድ ክልተ ንሕርቃን ኣብ ቀረባ ዝኾኑ ብምዃኖም ዝመሳሰሉ ተጻመድቲ ኣለው ንበል። እቲ ወዲ ኣብ

ዝሓርቀሉ ንሳ ህድእ ኢላ ኣብ ክንዲ ተዝሕሎ፣ ብ ሕ ር ቃ ኑ ትሓርቕ፣ ሽዑ ግድል ይመጽእ። መን? የዝሕሎም። ወይ ብኣንጻሩ እታ ጓል ኣመና ቦቕባቕ ትኸውን እሞ ገለ ሕማቕ ኣብ ዘጓንፈሉ እዋን ሓዘና ምጻር ትስእን። ወያ ኸምኣ መጻምድታ ኣብ ክንዲ ዝእብዳ ምስኣ ኣብ ሓዘን

ይሽመም። ሽዑ ይመጽእ ጸገም፣ መን? ናብ ንቡር ይምለሶም።

ምናልባት ምምስሳል ብልጫ የብሉን፣ የስምዕ ከይህሉ፣ ምምስሳል ከም ሓደ ባእታ ናይ ሓዳር ወይ ምምራጽ መጻምዲ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ክምለስ ዘለዎ ግን ኣነ እንከለኹስ ንምንታይ

ልክዕ ከማይ የደልየኒ ዝብል’ዩ። ስለ’ዚ እንመርጾ መጻምድቲ ምሳና ናይ ሓባር ረቋሒ ዘለዎ ንጎደሎና ከኣ ክምልእ ዝኽእል’ዩ ክኸውን ዘለዎ።

‘ክላ! እዚኦም ከኣ ክልተ ሓደ’ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ብዙሓት መጻምድቲ ገጢሞምና ኣለዉ። ንሳ ደረቕ - ንሱ ዝገደደ፣ ወይ ንሳ ሰታይ - ንሱ’ውን ሰኽራም፣ ንሳ ጻዕራም ሰራሕተኛ - ንሱ ውሉፍ ስራሕ(ዎርክሆሊክ)፣ ንሳ ሓሳዊት - ንሱ ዝኸፍአ፣ ንሱ ውዑይ - ንሳ ዝበኣሰት፣ ንሱ ንዓይ ስምዑኒ - ንሳ ንዓይባ፣ ወዘተ.። እቲ ዝርዝር ብዙሓት ጥዑማትን ዘይጥዑማትን ባህርያት ሒዙ ንነዊሕ’ዩ ዝቕጽል። እስከ ንውሽጥና ጥልቕ ኢልና እዞም ኣብ ብዙሕ ነገር ሓደ ዝዀኑ ሰባት ክኰንዎ ዝኽእሉ ክንሓስብ ንፈትን። እቲ መልሲ ርዱእ እመስለኒ - ምምስሳል ብዘይ ምምልላእ ከምዘየቐኒ።

ሓራቕ እንተዀይና ዘህድእ፣ ሓሳዊት እንተዀይና ሓቂ ዝምህር፣ ጸርጸር በሃሊ እንተዀይኑ ዓቃል፣ እዚን ካልእ ሃጓፋት ግርም ጌራ ወይ ጌሩ ዝሓትም እንተተረኽበ’ዩ ጥዑም። ከም መን ምዃንካ ዘይኰነስ ብመንነቱን እንታይነቱን ንመንነትካን እንታይነትካን ዘድምቕን ዘጸብቕን ክትረክብን’ዩ ግርም። ህ...ሞ……! ንስኻትኩም ከ ከም ወያ ሕጉስቲ መሓዛይ ዝመስለኩም ዶ ወይስ

እዚ ኮነ ኢላ ትገብሮ ከይትህሉ ጠርጢረያ ኣለኹ።

ኣማኻሪት፣- እንታይ ትገብር ከይትህሉ ኢኻ ጠርጢርካያ?

ደዋሊ፣ - ኣብ ግዜ ርክብ እቲ ፈሳሲ ደገ ወጺኡ ይርእዮ እሞ፣ እዚ’ስ ባዕላ ንውሽጢ ከምዘይኣቱ ትገብሮ ከይትህሉ ዝብል ግምት ኣለኒ?

ኣማኻሪት፣- ኣብ ግዜ ርክብ ብዙሕ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይፈስስ እኳ እንተኾነ ንጥንሲ ተድሊ ግን ሓንቲ ኮይና ብጣዕሚ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ስለ ዘለዎም ንድሕሪት ክምለሱ ኣይክእሉን እዮም።

ደዋሊ፣- ብጣዕሚ ስለ ዘፍቅራ ከይትኸደኒ ተሻቒለ ኣለኹ። ፍትወተይ ርእያ ተታልለኒ ከይትህሉ ሰጊአ።

ኣማኻሪት፣- ካብ’ዚ ወጻኢ ዝኾነ ናይ ባህሪ ለውጢ ዝረኣኻላ ኣለካ ድዩ?

ደዋሊ፣- ባህሪኣ እኳ

ኣይተለወጠንን። ንሳ እውን ከም እተፍቅረኒ ትገልጸለይ እያ። ምሳይ ክትነብር ከም ትደሊ እውን ብተደጋጋሚ ትገልጸለይ እያ። ግን እንድዒ ኣመና ኣፍቂረያ ስለ ዘለኹ ግዲ ኮይነ ከይከስራ እፈርህ።

ኣማኻሪት፣- እቲ ዝኾነ ዘሰክፈካ ነገራት ምስኣ ኮፍ ኢልካ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ እቲ ብባዕላዊ ግምታት በጺሕካዮ ዘለኻ ነገራት ኣብ’ኡ ክገሃደልካ ስለ ዝኽእል ዝያዳ ቅረባ ስምዒት ውሽጣ እውን ብግቡእ ከተንብቦ ፈትን።

ደዋሊ፣- ከም’ዚ ክትብልዮ ዝጸናሕኪ ክገብር እየ። ተስፋ ይገብር ገለ ዘቕስን ውጽኢት ክረኽበሉ። ኣብ ቀጻሊ ምዕባሌታቱ ደዊለ ክውከሰኪ እየ። ክሳብ ሽዑ አቐንየለይ።

ኣማኻሪት፣- ኣነ እውን አቐንየለይ።

ሜሪ መሓሪ

ፍትወተይ ርእያ ተታልለኒ ከይትህሉ ሰጊአ..

Page 4: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 4

መበል 110 ክፋል

በዓል ወጻኢወ/ሮ ሮማ ቡን ዘፍልሓላ ስኢና ባዕላ

ሓዊ ኣጉዳ ኣብ ምድላው እንከላ’ያ መርሃዊት ናብ ቤት ኣትያ። ገጽ ጓል ሓብታ ዝረኣየት ሮማ፡ “እንቋዕ ደሓን መጻእኪ’’ ብምባል ተቐበለታ። እዚ ባህሪ’ዚ መርሃዊት ካብቲ ቤት ክትወጽእ ምዃና ብነድሪ ምስ ገለጸት ዘምጽኣቶ’ዩ። ቅድሚኡ ብዘይካ ምጉብዕባዕን ምንጽርጻርን ካልእ ትፈልጦ ቋንቋ ኣይነበራን። “ኢሂ እንታይ ገበርኪ?” ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝተናኸሰ ፈሓም ዝሓዘ ፈርኔሎ ተቐሚጣ ሓተተት። ንጓል ሓብታ ቡን ቅለውለይ ክትብላ ኣይደፈረትን። መርሃዊት’ውን ከም ዝደኸመት ኣዕሙቛ እናስተንፈሰት ኣብ ሳሎን ኣራጢጣ ነበረት። ናጽነታ ዝኣወጀትሉ ካልኣይ መዓልቲ’ዩ።“ቢንያም ወጺኡ ኣሎ።’’ በለት ብዙሕ

ከይተገደሰት። ሮማ ኣዒንታ ኣፍጠጠት። ናይ ቢንያም ምውጻእ ዘይኰነ፡ ወዳ ነቲ ዘረባ ምስ ሰምዖ ዘርእዮ ስምዒት የተሓሳስባ ነበረ። “ብኸመይ ደኣ ወጺኡ?’’ ሓተተት። ከም ዝወጽእ ግና ኣቐዲሙ ተረዲእዋ ነበረ። ምኽንያቱ ዝበደሎ ነገር ከም ዘየለ ትፈልጥ ነበረት።“እንድዒ! ብኸመይ ከም ዘውጽእዎስ

ኣይፈለጥኩን። ግና እዛ መጸዋዕታ እዚኣ ንሚልክያስ ክህቦ ሓቢሮሙኒ ኣለው።” ኢዳ ዘርጊሓ ንሮማ ኣቐበለታ።“እንታይ ክብልዎ ደኣ እዚ ሂቦሙኺ?

ንሱ’ኳ ናትኪ ደሃይ ምስ ጠፍአ’ዩ ምስ ቢንያም ኰብሊላ ከይትኸውን ዝብል ጥርጣረ ሓዲርዎ ንፖሊስ ኣመልኪቱ። ንቢንያም ከአስር ወይ ክብድል ዝገበሮ ኣይኰነን። ሓልዮት ናትኪ’ዩ ኣብዚ ጉዳይ ኣውዲቕዎ። ኣብዛ ምኻዱ ጸገም ከይፈጥርሉ ኣንቲ ቈልዓ!’’ ናይ ወዳ ጉዳይ ስግኣት ዝፈጠረላ ሰበይቲ፡ ኣብ ልዕሊ መርሃዊት ዘይተረድኣ ተቛውሞኣ ኣስምዐት።“ሓትኖይ፡ ኣነ ዝፈለጥክዎ የብለይን።

ከብጽሓ ጥራይ’ዮም ሓቢሮሙኒ” በለት ናይታ ሰበይቲ ግልብጥ ግልብጥ ዝብል ባህርያት ቅጭ ዘምጽኣላ መርሃዊት ግርጭ ኢላ። ገና ሕርቃና ኣይነፈሰላን ነይሩ። ሓትኖኣ ኣብ ልዕሊኣ ተርእዮ ዝነበረት ናይ ፍርሂ ስምዒት ድማ ብዘይስክፍታ ክትዛረብ ዲል ፈጢሩላ ነበረ። ንዓመታት ኣፋ ዓቢሳ ከም ዘይተጉዓዘት ሽዑ እኹል ድፍረት ዝረኸበት ትመስል ነበረት። “ማማ ንዓዲ ክኸይድ እሓስብ ኣለኹ።” ሓሲባቶ ዝነበረት ዘረባ ሰንደወት።“ናይ ደሓን?’’ በለት ሮማ ስግኣታ

ኣብ ውሽጣ ቀቢራ። ከይትኸስራ ኩሉ ዝከኣላ ክትገብር ትደሊ ሰበይቲ’ያ። ሽዑ ግና ከተእምና ትኽእል ይመስላ ኣይነበረን።“ኩነታተይ ክፈልጡ ክኽእሉ

ኣለዎም። ኣነ ምስ ቢንያም እንተዘይኰይኑ ምስ ካልእ ክምርዖ ከም ዘይደሊ ደጋጊመ ሓቢረኩም’የ። ንስኻትኩም ካብ ዘይፈጸምኩሙለይ ስድራይ ክፍጽሙለይ ክሓቶም’የ።’’ በለት ትርር ብዝበለ ቃና። ነታ ዓመታት ዘቐመጠታን ዝሓብሓበታን ሓትኖኣ ምንም ከም ዘይገበረትላ’ያ ትዛረብ ነይራ።“ኣነኸ መርሃዊት ጓለይ?’’ ሮማ ንብዓት

ክስዕራ ደለየ። ኣብ ክንዲ ምስጋና ከምኡ ዝዓይነቱ ኢድካ ዝሰብር ዘረባ ክትሰምዕ ትጽቢት ዘይነበራ ሰበይቲ ኣዝዩ ሓዘን ተሰምዓ። “ኣንቲ መርሃዊት ጓለይ ማዕረ ክንድኡ ዲኺ ተቐይምክልና? ንሕና ደኣ ከምኡ ገይርኪ ዝነደርኪ ዘይመስለና ዘሎ። በጃኺ ይቕረ ግበርልና።’’ እታ ከም ተራር ትፍለጥ ሰበይቲ፡ ኣብ

ብንያም ፍስሃጽዮን

[email protected]

ብርኪ ጓል ሓብታ ተደፊኣ ክትልምን ተራእየት።“እዋእ! ማማ በጃኺ ተስኢ።’’

ከርሲ መርሃዊት ተገማጠለ። ሓትኖኣ ከምኡ ዓይነት ባህሪ ክህልዋ ትጽቢታ ኣይነበረን። ሮማ ኣብ ብርካ ወዲቓ ይቕሬታ ክትልምን፡ ሰማይን መሬትን እንተዝላገብ’ውን ክኸውን’ዩ ኢላ ሓሲባቶ ዘይትፈልጥ’ያ። ግና ግዜስ ዘይከውን ከም ዘየለ ኣርእይዋ። “ሕራይ ይቕረ ይኹንኩም ተስኢ።’’ ተማሕጸነት። ወ/ሮ ሮማ ድሌታ ምስ ተፈጸመላ ብድድ በለት።“ንዝደለኺ ክትምርዓዊ ነጻ ኢኺ።

እቲ ትደልዮ ዘለኺ ወዲ ከምቲ ግቡእ ሽማግለታት ይስደድ እሞ ባዕለይ ከመርዕወኪ’የ።’’ ሓሲባትሉ ዘይትፈልጥ ዘረባ’ያ ትዛረብ ነይራ። “ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሚልክያስ ዘእትዎ ኣይኰነን። ኣነ ብሕድሪ’የ ኣምጺአኪ ብሕድሪ ድማ’የ ዘፋንወኪ። ስለዚ ምስዚ ዝብለኪ ዘለኹ እንተተሰማሚዕኪ ንሕጹይኪ ሓቢርኪ መልሱ ንገርኒ። መርዓ ምስ ተቖጽረ ድማ ስድራ

ናብዚ

ይመጽኡ። እ ን ታ ይ መጺኡኪ ደኣሉ ሕጂ ንስኺ ንገጠር ዝኸድኪ።’’ እታ ዝተጣዕሰት ሰበይቲ ንፈለማ እዋን ጽቡቕ ዘረባ ክወጻ ተራእየት። በቲ ዝሰምዓቶ ዝዓገበት መርሃዊት፡ “ማማ ኣነ ከስትየኪ’’ ብምባል ነታ ባዕላ ቡን ክትሰቲ ተዳልያ ዝነበረት ሓትኖኣ ተቐበለታ።“ኣነን ንስኽን ጥራይ ንፈልጦ

ሚስጢር ግና ክህልው’ዩ። ንዒ’ሞ ናብዚ እታ ቡን ሓንሳእ ትጽንሓልኪ።’’ በለት ሮማ።

***“እምበኣር ንስኻስ እቲ ዝፈከርካዮ

ገይርካ!’’ ሃንደበት’ዩ ኣርኣያ ናብ መንክር ደዊሉ ዝህድድ ነይሩ። ‘ንፖሊስ ሓቢሩልና’ዩ’ ዝብል ስምዒት ስለ ዝነበሮ ብሕርቃን’ዩ ክዛረብ ተበጊሱ። ‘ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክመጽኣኒ?’ ዝብል ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒት ሓዲርዎ ነበረ።“እንታይ ኢኻ ትብል? መን

ኢኻኸ ንስኻ?” ግብረ መልሲ መንክር እንጽርጽሮት ዝዓሰሎ ነበረ። “ኣነ ኣርኣያ’የ!’’ በለ ኣርኣያ ቅልጥፍ

ኢሉ። “እንታይ በዲልናካ ኢና ግና ትለኻኽመና? ንዕኡ ድላይካ ግበሮ ንዓይ ግና. . .” ኣይቀጸለን።“ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ትዛረብ

ዘለኻ? ትብሎ ዘለኻ ይርደኣኒ የለን።’’ መንክር ምንም ስለ ዘይተረድኦ ዝብሎ ኣይነበሮን።“ስለምንታይ ትጻወት ኣለኻ?

ንሳዶር እንዳ ፖሊስ ዘጸዋዕካዮ ንስኻዶ ኣይኰንካን?. . .እንታይ ኢኻ ዝገበርካ ምስ ገበርካ ካልእ ክትከውን ትደሊ?”“መዓስ ደኣ ጸዊዖሞ?’’ እቲ ዕዋላ

መንእሰይ፡ ኣብቲ ዘይወዓሎ ጉዳይ መልሲ ስለ ዘይነበሮ ክሓትት’ዩ ተሰሚዑ።“ኣንታ እንታይ ኢኻ ትላገጽ ዘለኻ?

. . . ብዝዀነ ንዓይ ስለ ዘይለከምካኒ ከየመስገንኩኻ ኣይሓለፍኩን። ሕጂ’ውን ሓደራኻ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘለኒ ንፖሊስ ከይትሕብር። ኣነ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘእተወኒ ምኽንያት ዝምድና’ምበር ረብሓ ኣይነበረን።’’ ኣብ ሓደጋ ከየእትዎ ተማሕጸኖ።

“ ብ ቐ ደ ሙ ዘይ ንስኻ ኢኻ ሓ ሚ ቕ ካ ። ክፈሎ ኢልካ እንተተኽፍለኒ ኣብ ከምዚ ጉ ዳ ይ ዘ አ ቱ

ም ኽ ን ያ ት ኣይምነበረንን።’’ መንክር፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ረብሓኡ ከውዕል ተበገሰ። “ደሓር ድማ ደጋጊመ ሓቢረዮ’የ። መዓስ’ዩ ቆጸራኡ?’’“ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ’’ መለሰ

ኣርኣያ ናይ ተንኰል መርበብ ከም ዝተዳለወሉ ከይፈለጠ።“ሕጂ’ውን ክንብል በለ’ምበር

ኣይተኻዕወን። ክኸፍል ዝኽእል እንተዀይኑ ተዓሪቕና ኢለ እቲ ቆጸራ ከም ዝቋረጽ ክገብር እኽእል’የ። ንዘለዎ ግዜ ክጥቀመሉ እንተዀይኑ ግና ሕጂ ገንዘብ ከምጽእ ኣለዎ። መጸዋዕታ ከም ዘምጻእኩሉ ደኣ መን ነጊሩካ?’’“ባዕሉ ሳዶር’’“እሞ ሕጂ’ውን ከእስሮ ድሌት ከም

ዘይብለይ ንገሮ። ካብ ማእሰርቲ ዝኸፍእ ስለ ዘየለ ዓሰርተ ሽሕ ክጎድለሉ ምዃነይ ሓብሮ።”“ክንደይ ክኸፍል ማለት’ዩ. . . .ዓሰርተ

ሽሕ እንተጎዲልዎ ዓሰርተ ሽሕ’ዩ ዝተርፍ።’’ በለ ብህንጡይነት።

“ይኹን ደሓን!’’ ዝሰልጦ ዝመሰሎ መንክር ግዜ ከጥፍእ ኣይደለየን። ዓሰርተ ሽሕ እንተረኺቡ’ውን ይኣኽሎ’ዩ። ብመስተ’ምበር ብቑምነገር ዝሓስብ መንእሰይ ኣይኰነን።“እሞ ምሳይ ተባኢሱ ስለ ዘሎ ሞባይሉ

ክህበካ ባዕልኻ ደውለሉ።” ብምባል ዝርዝር ቁጽርታት ሓበሮ። እቲ ዘይሓዞ ገንዘብ ክቖጽር ዝጀመረ መንእሰይ ድማ ሸበድበድ እናበለ ናይ ሳዶር ቁጽሪ ሞባይል ክምዝግብ ጀመረ።

***

ሴምን መቐረትን ንሻሂ ምስ ተራኸቡ’ዮም፡ ኣብቲ ናይ ሻሂ መደብ ሶልያና ክትመጽእ ምዃና ኣፍቃሪቱ ዝሓበረቶ። “ተስፋ እገብር ሳልሰይትና ብምዃና ቂር ከም ዘይብለካ። ከም መሓዛይ መጠን ኣብ እዋን ጸገማ ከደዓዕሳ ኣለ ኒ ። ’ ’

እናተሰከፈት መሓዝኣ ዝነበረቶ

ኩነታት ሓበረቶ።“ጸገም የለን መቐረት

ሓብተይ!’’ በለ ሴም ሓዘኑ ከይሓብአ። ብጉዳይ ሶልያና ኣዝዩ ሓዚኑ ከም ዝነበረ ስምዒቱ የረጋግጸሉ ነበረ። “ግና ስለምንታይ ከምኡ ትኸውን? ሰብ ንዘጋጠሞ ጸገም ክሰግር እንተኽኢሉ ጥራይ’ዩ ናብ መንገዲ ዓወት ዝጽንበር።’’“ኩሉ ነገር እንድዩ ሕውስውስ

ኢልዋ ወደይ! እቲ ጸገም እንታይ ድዩ መስለካ ወደይ፡ ኣእምሮኣ ኣብቶም ገና ዘይበጽሖም ቦታ ከይዱ ጸኒሕዋ። ሕጂ ከመይ ገይራ ክትመልሶ። ኣብዚ እንከለኻ ብሓሳብ ጀርመን ትኸይድ?. . . እዚ’ዩ ጸገማ። ሕጂ ከም ዘይከውን ምስ ፈለጠት ካብ ትንቢት ወጺኣ ንሓቀኛ ህይወታ ክትነብሮ ኣይከኣለትን። ወረ ከይትሓምም ተፍርሓካ’ያ።” ስግኣታ ገለጸት።“እንታይ ኢኺ ትብሊ ጓለይ? እዋይ

ሓብተይ!’’ ኢዱ ኣብ መንከሱ ደጊፉ ኣስተንተነ።“ሲናይ ከም ዘደዓዕሳ ክትገብር

ዘይትፍትን። ምስቲ ናይ ወጻኢ ዳርጋ ዝተባተኹ’ዮም ዝመስሉ ዘለው። ሲናይ ድማ ኣዝዩ ከም ዘፍቅራን ከም ተፍቅሮን ኩልና ዘይንስሕቶ’ዩ።’’

“እቲ ጸገም ምሳይ ጽቡቕ ስለ ዘየለ እንድዩ። ዝዀነ ኰይኑ ክረኽቦ ክፍትን’የ። ግና ባዕሉ እንተዘየምጺኡለይ ክዛረቦ ከም ዘይኰንኩ ክትፈልጢ ኣለኪ።. . . .ኩሉ ኣቓልቦና ሶልያናዶ ወሲዳቶ ሓቀይ።’’ ዝተረስዐ ፍቕሮም ኣሕዘኖ። “ኣንቲ መቐረት ሓብተይ ፍቕርና’ኳ ረሲዕናዮ። ንዒ እባ ንሕና ኸኣ መደብና ንግበር።’’ ስሓቐ።“ዝሓሰብካዮ መደብ ኣሎ ድዩ?’’

በለቶ ክምስታ መጥያ።“እዛ ክረምቲ ምስ ሓለፈት ኣብ

ጥቅምቲ ክንሕጸ መዲበ ኣለኹ።’’ በቲ ሃንደበት ዝመጸ ዘረባ ኣዒንቲ መቐረት ሓጎሶም ንኽገልጹ ዝያዳ ፈጠጡ። “እንታይ ደኣ ዝገረመኪ ትመስሊ? ትፈትዋ ጓል ቀልጢፍካ ኣብ ሕቑፎኻ እንተዘየእቲኻያ ሰብ ገዲፉ መልኣኽ’ዩ ዝጥምተልካ። ስለዚ ከምኡ ከየጋጠመኒ እንከሎ ጽብቕተይ ክእክብ ክኽእል ኣለኒ።’’ ተዋዝዩ ብስሓቕ ነቲ ደስ ዝብል ሃዋህው ድምቀት ወሰኸሉ። “ኢሂ ንስኺ እንታይ ትብሊ? ክሕጸየኪ’የ ዝብለኪ ዘለኹ።’’“እዋእ ካልእ ደኣ እንታይ ክትብለኒ?’’

እናስሓቐት ግብረ መልሲ ሂባ ጠመተቶ።“ጓል ብዙሕ እንድያ ትበሃል።’’“ኣንታ ንስኻኰ ሰባብ ኢኻ። ኣነ ግና

ክሕጸየኪ ክምርዓወኪ ጥራይ’የ ክበሃል ዝደሊ። ምኽንያቱ ንኻልእ ቅርብቲ ስለ ዘይኰንኩ።” ብምባል ተሪር መርገጺኣ ሓበረቶ።“ምስ ተሓጸናኸ ቅርብቲ ትዀኒ

ዲኺ?’’“ንምንታይ?’’ ኣብ ገጻ ስንባደ

ነበረ። ደሓን ይእቶ ሴም ግና ሕቶኡ ዋዛ ምዃኑ ከበስራ ስሓቕ ኣቐደመ። “ነብስኻ እባ ኣውጺእካያ።’’ በለቶ ከም ክትበኣስ ዝደለየት ገጻ ኣሲራ።“ካብ ምንታይ?’’“ካብቲ ኣነ ዝህበካ ፍቕሪ’’“ጃሕጃሕ ዝብል ናይ ፍቕሪ ዒላ’ዩ

ዘለኪ ኖ!’’“ዝግልለኒ እንተረኺበዶ!’’“ኣነ ክግልል ቁሩብ ኣለኹ።’’“ክትግልል ጥራይዶ ጠምጠም ኢልካ

ክትሰቲ?’’“ዘይስርንቕ እንተዀይኑ ደኣ

ንግጥሞ’ምበር።’’“ፍቕሪ ዝሰርነቖ ሰብ ኣሎ ድዩ?’’“ንብዙሓት ዝጥምት ስሱዕ ኣዒንቲ

እንተረኺበዶ?”“ኣነ’ሞ ስሱዕ ድየ?’’“ኣዒንቲ ወዲ ክሳብ ዘይተመርዓዋ

ስሱዓት’የን’’‘ምስ ተመርዓዋኸ?’’“ከከም ኩነታቱ። ገሊኦም ልምዶም

ምሕዳግ ኣብይዎም መምስ ዝሓለፈት ጎርዞ ክሳዶም ክጥምዝዙ ዝቐኑ ኣለው። ገለ ከኣ. . . .” ኣብ መንጎ ስሓቕ ስዒርዋ። ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ ድማ’ያ ሶልያና ጽንብር ዝበለቶም።

ይቕጽል

Page 5: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 5

ምሕረትኣብ ፍስሃየ

ኣፍላግ ኦሃዮን ሚሲሲፒን

ፈለግ ኦሃዮ ናብ ሚሲሲፒ ዝሕወስ ዓቢ ፈለግ’ዩ። እንተኾነ ግን ሚሲሲፒ ኣዝዩ ገፊሕ ብምዃኑ እሞ ድማ ኦሃዮ ኣብ ከባቢ ካይሮ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ናይ ኢሊኖይስ ናብ ሚሲሲፒ ስለዝውሕዝ ዝበዝሐ ሰብ ንኦሃዮ ከም መጋቢ ስንጭሮ’ዩ ዝሓስቦ። ማይ ሚሲሲፒ ካብ’ቲ ኣብ ከርሱ ዘሎ ደልታ ዝወሰዶ ቡናዊ ሕብሪ’ዩ ዘለዎ። ማይ ኦሃዮ በንጻሩ ብዙሕ ደልታ ስለዘይብሉ ሓምላይ ሕብሪ’ዩ ዝውንን።

ኣብ 2005 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዝሃረመ ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝናብ ግን ማይ ኦሃዮ ናይ ሚሲሲፒ ቡናዊ ሕብሪ ክሕዝ እንከሎ ማይ ሚሲሲፒ ንባዕሉ ሓምላይ ሕብሪ ክሕዝ ከም ዝተገደደ ይፍለጥ። እቲ ብንጹር ዝርአ ኣብ መንጎ‘ዞም ክልተ ኣፍላጋት ዘሎ ዶብ ድማ ማያት ናይ ክልቲኦም ኣፍላጋት ከይተሓዋወሱ ንልዕሊ 5-6 ኪሎሜተር ኣብ ሓደ ስንጭሮ ከምዝውሕዙ’ዩ ዝሕበር።

እቲ ዘይሕለል ሰብኣይጃክ ፓስተርን ፊሊስን ዝተባህሉ

ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር መስሪቶም ብፍቕሪ ምንባር ካብ ዝጅምሩ 70 ዓመታት ኣቑጺሮም ኣለዉ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ጃክ፡ ፈለማ ሓዳሮም ካብ ዝወጽኡ ኣትሒዙ ን70 ዓመታት ዝጸሓፎ ዕለታዊ መዝገብ እናገናጸለ ነታ ዘፍቅራ ሰበይቱ ከንብበላ እንክትዕዘብ ‘ናይ ዓለምና ፈቃር በዓልቤት’ ዘየብሎ ኣይኮነን። እዚ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ሰብ’ዚ ምስ’ታ ዝፈትዋ ብዓልቲ ቤቱ ን70 ዓመታት ናይ ዘሕለፎ ምቁር ግዜ ተዘክሮ በብእዋኑ ኣብ ዕለታዊ መዝገቡ ከስፍሮ ምጽንሑ’ዩ ዝፍለጥ። ነቲ ብሓደ ኮይኖም ዝፈጸምዎ ዛንታ’ዩ ድማ ተዘክሮኣ ንምሕዳስ ዘንብበላ። እቲ ወዲ 93 ዓመት ሽማግለ ነዚ ዕለታዊ መዝገብ ፍጻሜታት ካብ’ታ ቀዳመይቲ

መዓልቲ ምስታ ሕጂ ጓል 93 ኮይና ዘላ ሰበይቱ ዝተራኸቡላ ኣትሒዙ’ዩ ክጽሕፎ ጀሚሩ። ከም’ዚ ብምባል፡ “ሎሚ ኣዝዩ ባህ ዘብል ምሸት’የ ኣሕሊፈ፡ ምስ ሓንቲ ጽብቕቲ ጓል ምስዕስዐይ ፍሉይ ተመኩሮ’ዩ ንዓይ። ንኻልኣይ ግዜ ክንራኸብ ድማ ተስፋ እገብር”። እዚ ብ1941 ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ እንከሎ ኣብ ስትሩድ-ኬንት ዝጸሓፎ’ዩ። ሽዑ ምሸት ማለት 4 ጥቅምቲ 1941 ቅጽበታዊ ፍቕሪ ከምዝሓዞ’ዩ ዝግለጽ ጃክ። እዚ ፈቃር ሽማግለ ካብ’ታ ዕለት’ቲኣ ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ክጸሓፍ ኣለዎ ዝበሎ ናይ ሓባር ፍጻሜ፡ ን70 ዓመታት ዝኣክል ክጽሕፍ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ሕጂ ነታ ጸኒዑ ክምርዓዋ ዝቐሰበቶ ፊሊስ ዘንብበላ ዘሎ።

ነቢት ተመን

ነቢት ተመን ጥዑይ ተመን ኣብ ነቢት፡ ሩዝ ወይ’ውን ነቢት እኽሊ ብምእላኽ ዝስራሕ መስተ እዩ። እዚ ዓይነት መስተ’ዚ ንፈለማ እዋን ኣብ ቻይና ኣብ እዋን ስርወ ንግስነት ምዕራባዊ ዡ ከምዝተጀመረ ይንገረሉ። ብመሰረት ባህላዊ ሕክምና ቻይና፡ እዚ መስተ’ዚ ኣገዳሲ ፈዋሲን መንፈስ ሰብ ዘሐድስን ምዃኑ’ዩ ዝእመነሉ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብዘይካ ኣብ ቻይና፡ ኣብ ቬትናምን መላእ ደቡብ ምብራቕ ኤስያን ዝርከብ ኣልኮላዊ መስተ’ዩ።

መልመስቲ ድቁስ ሰብ

እዚ ሕማም ኣብ ግዜ ድቃስ ዘጋጥም ኣዝዩ ዘርዕድ መኽሳእቲ’ዩ። እዚ Old Hag’ Syndrome እናተባህለ ዝፍለጥ

ሕማም ኣብ ብዙሓት ሰባት’ዩ ዘጋጥም። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን Sleep Paralysis እናተባህለ ይጽዋዕ’ዩ። ኣብ ከውታ ለይቲ

ካብ ድቃስካ ኣበራቢሩ ከብቅዕ፡ እናረኣኻ፡ እናሰማዕካን እናሸተትካን ምንቅስቓስ ይኹን ምውጫጭ ዝኸልኣካ ሕማም ድማ’ዩ። ዳርጋ ኩሉ ግዜ በዚ ሕማም’ዚ ዝተጠቕዐ ሰብ ክመጽኦ እንከሎ ጋሻ ሽታ፡ ዘርዕድ ድምጺ፡ ጽላሎት መላኣከ ሞት ወይ ሰባት፡ ሕጽረት ምስትንፋስ ዘኸትል ጽዕነት ኣፍልቢ ወዘተ’ዩ ዘኸትለሉ።ጠንቂ ናይዚ ሕማም‘ዚ ናይ ሆርሞናት

ጸገም’ዩ። ብድቁስና እንከለና ከም እንለምስ ይገብሩና’ሞ ንሕልምታትና ግብረ መልሲ ምሃብ ይኸልኡና። እዚ ማለት ካብ ድቃስና ምስተበራበርና ብኡ ንብኡ ክንወሳወስ ኣይንኽእልን ማለት’ዩ። እዚ ጸገም’ዚ ኩሉ ግዜ ካብ ሓደ ደቒቕ ንላዕሊ ኣይጸንሕን’ዩ። ስለዚ ዋላ’ኳ ዘርዕድ ሕማም እንተኾነ ጽልዋኡ ግዝያዊ’ዩ።

ጸሊም ኮመደረብርጣንያውያን ተመራመርቲ ናይ

ፈለማ ጸረ-ምራተ ትሕዝቶ ዘለዎ ጸሊም ኮመደረ ከም ዘማዕበሉ ይገልጹ ኣለዉ። እዚ ኮመደረ’ዚ ኣገደሲ ጥዕናዊ ረብሓ ከምዘለዎ’ውን እምንቶ’ቶም ተመርማርቲ እዩ።እዚ ልሙጽ ጸሊም ሕብሪ ቆርበት

ዘለዎ ዘይልሙድ ፍረ’ዚ፡ ሓደ ካብ’ቶም ናይ መጀመርያ ‘ኣንቶሲያኒን’ ዝተባህለ ኣብ ማይ ዝሓቅቕ ሕብሪ ዝህብ ቀመምን ጸረ -ምራተ ቀመም ዝሓዘ ፍረታት’ዩ። ረይ ብራውን ዝተባህለ ወዲ 66 ዓመት ሓላፊ ምሩጽ ዘርኢ ትካል ምርምር ኣትክልቲ ብርጣንያ፡ ነዚ ኮመደረ ንፈለማ እዋን ዝረኣዮ፡ ሓደ ካብ ዓማዊሉ፡ “ጸሊም ኮመደረ” ኣብ ዝተጻሕፎ ባኮ ዓሺጉ ምስ ሰደድሉ’ዩ።

እዚ ኮመደረ ኣብ ኦሬጎን ዩኒቨርሲቲ- ኣመሪካ ብፕሮጀክት ‘ድሙቕ ሰማያዊ ጽገረዳ’ ማዕቢሉ ከምዝነበረ ይንገር’ዩ። ብዝኾነ ጸሊም ኮመደረ ምብሳሉ ዝፍለጥ፡

ናይ ቀላይ መስትያት

እዚ ኣብ ከባቢ ፖርትላንድ ኣመሪካ ዝርከብ ሓደ ካብ’ቶም ብቐዳምነት

ዝስርዑ ዓመት ምሉእ ኣገልግሎት ዝህቡ ናይ መዘናግዒ ቦታታት‘ዩ። ኣብ እግሪ

ሁድ ዝተባህለ ጎቦ ስለዝርከብ ንምስሊ ናይ’ዚ ጎቦ ብንጹር ብምንጽብራቕ ንዓይኒ ዘፍዝዝ ምርኢት’ዩ ዝፈጥር። ስለ’ዚ ድማ ‘ሚረር ሰይክ’ ዝብል ስም ለጊብዎ። ኣብ ዙርያ’ዚ ናይ ቀላይ መስትያት በርኽቲ ጠረራት ስለ ዝርከቡ፡ ንጫፍ ነፍሲ ወክፎም ኣብ’ቲ ቀላይ እንክትርእዮ ፍሉይ ጦብላሕታ’ዩ ዝፈጥረልካ።ኣብ’ዚ ቀላይ ዝፍጠር ትርኢት

መስተንክር ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ከባቢ ንእምባ ሁድ ከቢቦሞ ብዝርከቡ ኣግራብ ዝወቀበ ብምዃኑ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ሰፈር ዓጋዜን፡ ውዕላ (Elk)፡ ምጹ፡ ጽሕድን ጉንጓን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ዘገዳም’ዩ። ዝተፈላለዩ ዓሌት ዓሳታት’ውን ኣብ’ዚ ቀላይ’ዚ ካብ ዝርከቡ ፍጥረታት ባሕሪ’ዮም።

ሕማም ምንፍርፋር ንዘለዋ ቘልዓ ዝኣሊ ከልቢቻርሊ ዝተባህለ ከልቢ ናይ ሓንቲ ስድራ፡ ካብ ተፈታዊ እንስሳ ዘቤትነት ሓሊፉ፡ ሓደ ሰብ ክሰርሖ ዘጸግም ዕማም’ዩ ዘለዎ። ቀንዲ ዕማም ቻርሊ፡ ከም እሙን ዘብዐኛ ናይ ብሪያና ዝተባህለት ቘልዓ 3 ዓመት ጓሎም ነቶም ዋናታቱ ኮይኑ’ዩ ዘገልግል። ብሪያና ሕማም ምንፍርፋር ስለዘለዋ ብቐጻሊ’ያ ብወቕዒ ምንፍርፋር ትጥቃዕ። ሕማማ ብርትዕ ዝበለ ስለዝኾነ ወለዳ ን24 ስዓታት’ዮም ዝከታተልዋ። የግዳስ እቲ ሕማም ክለዓላ እንከሎ፡ ነብሳ ቅድሚ ምህሳያ ኩሉ ግዜ ነቲ ሳዕቤን ከፍሽሉ ድልዋት ኮይኖም ክጸንሑ

ኣይክእሉን’ዮም። ወለዳ ክረድእዋ ኣብ ዘይክእልሉ እዋናት’ዩ ድማ ቻርሊ ዝሕግዛ። ብመሰረት መጽሔት ‘ኣይሪሽ ኤግዛማይነር’ እቲ ክልተ ዓመት ዝዕድመኡ ኩርኩር ኣዝዩ ልዑል ነገራት ናይ ምልላይ ክእለት ስለዘለዎ ምልክታት ምንፍርፋር ብሪያና ቅድሚ ምጅማሮም 20 ደቓይቕ ኣቐዲሙ ክፈልጦም ይኽእል። ብድሕሪ’ዚ ሓደ ሰብ መጺኡ መዐገሲ ፈውሲ ክሳብ ዝህባ፡ ቻርሊ ናብ መንደቕ ኣጸጊዑ ብጥንቃቐ ደጊፍዋ ይጸንሕ።

ሕብሩ ካብ ዘንጸባርቕ ሰማያዊ ጁኽ ናብ ልሙጽ ጸሊም ምስተለወጠ’ዩ። እቲ ዳሕራይ ክፋሉ ግን ናብ ቀይሕ ሕብሪ’ዩ ዝልወጥ።

Page 6: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 6

* ብኩነታት ኣተዓባብያኻን እዋን ቁልዕነትካን ክንጅምር ?

- ኣብ ሓዝሓዝ’የ ተወሊደ ኣብኡ’ውን’የ ዓብየ፣ ውዑይ ዝበልኩ’የ ነይረ፣ ንባእሲ’ው ድሕር ይብል ኣይነበርኩን፣ እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ትኩር ምንባረይ ወለደይ ይነግሩኒ’ዮም፣ ኣብ ትምህርቲ’ውን ንፉዕን ግዱስን’የ ነይረ፣ ብፍላይ ካብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ኣብ ትምህርቲ ልዑል ተገዳስነት ትምህርቲ እናጥረኹ መጺአ፣ ኣብ ብልጫ’ውን ካብ’ቶም ተወዳደርቲ’የ ነይረ፣ ብኩዕሶ እግሪ’ሞ ኸኣ ጽሉል ምንባረይ እዝከረኒ፣ ኣብ ናይ ንኣሽቱ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ብኽልተ ክንፊ ብምጽዋት’የ ዝፍለጥ ነይረ፣ ከም መለለዪ ድማ “ ማሕሙዳ እቲ ቁጽሪ ሸውዓተን ዓሰርተ ሓደን ዝጻወት ድዩ” ኢዮም ዝብሉኒ፣

* ኣብቲ እዋን’ቲ’ሞ እቲ ግጥማት ከመይ ይካየድ ነይሩ?

- እቲ ጸወታ ብቀበሌታት ዝካየድ ዝነበረ ኮይኑ ሰለስተ ንኣሽቱን ሓንቲ ዓባይ ዋንጫን ተሸሊምና፣ እቲ ድሌታተይን ህርፍርፎታተይ ኣብ ሸቱኡ ከየብጻሕክዎ ግን ናይ ዳንነት ኮርሳት ወሲደ ብእኡ’ውን ተመሪቐ፣

* ከመይ ማለት’ዩ ?

- ማለተይሲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይንካ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክትበጽሕ ምድላይን፡ ኣጻዋታይ ኮይንካ ብእኡ ክትድረትን ፍልልይ ኣለዎ፣

* ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ክትከውን ዝደረኸካ ግን እንታይ’ዩ?

- ዝበዝሑ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ተጻውቲ ናብ ክለባት ይጥርነፉ ስለ ዝነበሩ፡ ዝያዳ ኣፍልጦ ኩዕሶ እግሪ ስለዘለዎም ድዩ ወይስ ብክእለቶም’ዮም ናብ ክለባት ዝጥርነፉ ዘለዉ ኢለ ከተሓሳስበኒ ጀሚሩ፣ ኣብቲ እዋንቲ ግድን ኩዕሶ እግሪ ብኣካዳሚያዊ መገዲ ክፈልጦ መዲበ፣

* እቲ ዝወሰድካዮ ኮርስ ናይ ዳንነት’ሞ ከመይ ነይሩ?

- ዝተፈላለየ ስልጠናታት ኢና ወሲድና፣ ኣብቲ እዋንቲ ዝዝከረኒ፡ ኣነ ምስ ካልኣየይ ዓርከይ ዝነበረ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዶክተር ናይ እንስሳ ኮይኑ ዘሎ ሃብተ ጋይም ክልቴና ጥራይ ኢና ንኣሽቱ ኔርና፣ ካልኦት ዓበይቲ’ዮም ኔሮም፣ እቲ ስልጠና ብክልሰ ሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ’ዩ ነይሩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን’ውን ሽዱሽተ ኣቢሉ ወረቐት ምስክር ረኺበ ኣለኹ፣ ከምቲ ዝበልኩኻ ጌና ነኣሽቱ ስለ ዝነበርና ከነጻውት ዕድል ይህቡና ኣይነበሩን፣(ሰሓቕ)

* ድሕሪኡ’ኸ?

- ይከረኒ ሰኑይ ሰኑይ ምሸት ኣብ ዚካየድ ዚነበረ ገምጋምት ኩዕሶ እግሪ ንሳተፍ ርእይቶናን ሓሳብናን’ውን ነካፍል ኔርና፣ ምስ ውሩያትን ምኩራትን ደያኑ ምስማዕ ከኣ ካብ ተሞክሮታቶም ብዙሕ ንኸስብ ኔርና፣ ብፍላይ ንዓይ ዳኛ ኩዕሶ እግሪ ንክኸውን ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩለይ፣ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ክረምታዊ ግጥማት ከም ዳኛ ኮይነ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ አጻውት ነይረ፣ ብዘይካ’ዚ’ውን ምሉእ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ብክለባት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኣማተር ግጥማት ኩዕሶ እግሪ እዳኒ ነይረ፣

* ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ትረኽቦ ዝነበርካ ግብረ መልሲ ከመይ ነይሩ?

- ኣነ ዝነኣስኩ ድኣ ይንበር’ምበር ክሳብ ናይ ዋንጫ ግጥማት ክዳኒ

ብኮሜቴ ተመሪጸ እዳኒ ነይረ፣ እዝከረኒ ሓደ ካብ’ቶም ኣባላት ኮሚቴ ዝነበሩ ኣቦይ ይከኣሎ ዝብሃሉ፡ በዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ እንተቐጺልካ ካብ’ቶም ብሉጻት ደያኑ ክትከውን ኢኻ” እናበሉ የተባብዑኒ ኔሮም፣ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ከም ዳኛ ኮይነ ምስኦም ክሰርሕ ጸዊዖምኒ ኔሮም እንተኾነ ከም መምህር ኮይነ ካብ’ቲ ዳንነት ወጺአ ጸኒሐ፣

* ገለ ካብ’ቲ ከም ዳኛ እናጻወትካ ዘጋጠመካ ፍሉይ ኣጋጣሚታት እንታይ

ኣሎ ?

- ኣብ’ቲ እዋንቲ ናይ ምምሕዳራት እናጻወትኩ ከለኹ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርከይ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ዋንጫ ግጥም እናጻወትኩ ከለኹ ካብቶም ሓያላት ተጻወትቲ’ዩ ነይሩ፣ ‘ስለዝፈልጠንስ ሸለል ክብለኒ’ዩ’ ኢሉ ጸወታ ክጽይቕ ጀሚሩ፣ ነቶም መጋጥምቱ ብኢዱ ይከሓሶም፣ ይሃርሞም፣ ይሽንድሖም ነይሩ፣ ምስ ኣብዝሖ ግን ብተደጋጋሚ ምዒደዮ ንሱ ግን ስለ ዝቐጸሎ ብኡ ንብኡ ብቐይሕ ካብ ሜዳ ሰጉገዮ (ሰሓቕ) ድሕሪኡ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ተቐይሙለይ ሰላምታ

ከሊኡኒ ቀንዩ፣ ኣጋጣሚ ግን ጋንትኡ ተዓዊታ ዋንጫ’ውን ዓቲራ እብለካ፣

* ካልእከ?

- ሓደ መዓልቲ’ውን ኣብ ሞንጎ ጋንታ ሄለንስን ጋንታ ሳን ጁሰፐን ግጥም እናተኻየደ ሓደ ካብ’ቶም ገዳይም ተጻዋታይ ጋንታ ሄለንስ ወዲ ገዛውተይ ዝነበረ’ዩ፣ ንሓደ ካብ መጋጥምቱ ንኹዕሶ ገዲፉ ብርእሱ ይሃርሞ፣ እዚኣ ብዘይካ ብቐይሕ ምውጻእ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረታን፣ እንተኾነ ግን ብቐረባ ዝፈልጦ ከም ዓቢ ሓወይ’ውን ዘኽብሮ ተጻዋታይ ብምንባሩ (ሰሓቕ) ብጫ ካርድ ኣውጺአሉ፣ ድሕሪ ጸወታ ግን ነቶም ኮሜቴ እታ ሓቂ ነጊረዮም ማለት’ዩ፣

* እንታይ ኢልካ ማለት’ዩ?

- ዋእ እቲ ዝጸፈሞ ተግባር ብቐይሕ ዘውጽእ ምንባሩ እንተኾነ ግን ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ነብሰይ ስለዘይገበረለይ ምዃኑ ኣግሂደ ነጊረዮም፣ መቕጻዕቲ ግን ኣይተረፎን፣ ንኽልተ ሰንበት ንሜዳ ከይወርድ ተወሲኑሉ፣

* ናብ ሞና ምምህርና ክንሓልፍ?

- ኣብ 1992 ናይ መጀመርታ ናይ ሳሆ መምህር ኰይነ ክሰርሕ ጀሚረ፣ ቅድመና መምህራን ቤት ትምህርቲ ሰውራ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ኣደ ጀሚሮሞ ነይሮም’ዮም፣ ብስሩዕ ረቛሒታት ኣማሊእካ ብደረጃ ምዱብ መምህር ምስ ተበገሰ ግን ናይ መጀመርታ መምህር ናይ ቋንቋ ሳሆ ኰይነ ሰሪሐ፣

* እቲ ስልጠና ከመይ ነይሩ?

- እቲ ስልጠና ብሓፈሽኡ ናይ ስነ ምምህርናዩ፣ ብተወሳኺ ቋንቋ ሳሆ ብኸመይ ትጽሕፎን ኣናብብኡን ኣደማምጽኡን፡ ኮታ ንሓፈሻዊ ኣተሓሕዛ’ቲ ቋንቋ ዝምልከት’ዩ ነይሩ፣

* ከምዚ ዝጠቐስካዮ ኣብ ኣስመራ ኢኻ ተወሊድካ ዓቢኻ ፣ ንቛንቋ ሳሆ

ክሳብ ክንደይ ኢኻ ትመልኮ ?

- ቋንቋ ሳሆ ብመጀመርታ ናይ ኣደይ ቋንቋ’ዩ፣ ኣብ ገዛ ከኣ ብሳሆ ስለ ዝዘራረቡ ክለምዶ ክኢለ ማለት’ዩ፣ ዝያዳ ግን

መምህር ምስ ኮንኩ’የ ኣዕሚቐ ክፈልጦ ክኢለ፣

* ኣብ ኣመሃህራ ትጥቀመሉ ኣገባባት ከመይ’ዩ?

- ብቛንቋ ሳሆ ዝተዳለወ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣሎ፣ ኣብ መጀመርታ ከም መምህር ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ክነጥፍ ከለኹ ብዝያዳ ተኣማሚነ ክሰርሕ ንክሕግዘኒ ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ ይውከስ ነይረ፣ በብእዋኑ ግን እናተለማመድክዎን እናማዕበልክዎን ስለዝኸድኩ ክሰርሓሉ ክኢለ፣

* ኣብ’ቲ መጀመርታ ተማሃሮ ከመይ ይቕበሉዎ ነይሮም. . ነቲ

ኣመሃህራ ይኹን ነቲ ኻልእ ከም ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ሳሆ

ብምዃኑ?

- ኣብቲ መጀመርያ ብቋንቋ ሳሆ ምምሃር ነቶም ተማሃሮ ብፍላይ ነቲ ሕብረተሰብ ከኣ ብፍላይ፡ ሓድሽ ተሞክሮ ብምንባሩ ዝመሃሩ ዘለዉ ኮይኑ ይስምዖም ኣይነበረን፣ ኣብ’ቲ ስነ ፍልጠታዊ መዳይ ናይቲ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዘተኩሩ ኣብቲ ናይቶም መምህራን ኣደማምጻ ወይ ኣዘራርባ ኣድሂቦም ይስሕቁ ነይሮም፣ ኣብ ከተማ ዝዝረብን ኣብ ገጠራት ዝዝረብን ቋንቋ ገለ ፍልልያት ክህልዎ ባህርያዊ ስለዝኾነ ኣነ’ውን ካብዚ ዓንኬል’ዚ ክወጽእ ኣይክእልን’የ፣ ከምቶም ኣብ ገጠራት ተወሊዶም ዝዓበዩ ዝዛረቡዎ ቋንቋ ሳሆ ክመልኽ ኣይክእልን ነይረ፣

* ሕጂ ኸ?

- ሕጂ ደኣ ልዕሊ 15 ዓመት ኣብቲ ከባቢ ስለዝመሃርኩ ዓቢ ለውጢ ጌረ ክብል እኽእል’የ፣

* እቲ ቋንቋ ብኸመይ’ዩ ዝጸሓፍ?

- ብላቲን’ዩ ዝጸሓፍ፣

* ብኸምዚ ኣገባብ ክጸሓፍ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ?

- ኣብ ገለ ዝድመጹ ፊደላት ቋንቋ ሳሆ ኣብ’ቲ ናይ ግእዝ ኣደማምጻ ስለ ዘይርከቡ’ዩ፣

* ዛጊት ኣበይ ኣበይ ምሂርካ ኣለኻ ኽንደይ ዓመት ኮይኑ?

- ከም መምህር ዳይረክተርን ሱፐርቫይሰርን ብምዃን ኣብ ንኡስ ዞባ ጾሮና ንልዕሊ 10 ዓመታት ሰሪሐ ኣለኹ፣ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ከኣ ንክልተ ዓመት ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዘጠቓልል ቤት ትምህርቲ ኢጊላ ከም ዳይረክተር ኮይነ ድሕሪ ምስራሕ ከለኹ ግን ሳሆ ጥራይ ዘይኮነ ሓፈሻዊ ስነ ቋንቋ ኮይኑ ንመቦቆልን ኣመጻጽኣን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዘጠቓልል’ዩ፣ ነዚ ምብዝማድ ከኣ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ቋንቋታት ሃገርና’ውን ዘተኩር’ዩ፣

* ናይ ሓፈሻዊ መነባብሮኸ ክንሓልፍ?

- ሕራይ

* ብዓል ሓዳር ዲኻ?

- እወ ብዓልቲ ቤተይ ሓሊማ ከሊፋ’ያ ትበሃል፣ ኡሳማን ራንዳን ዝበሃሉ ክልተ ምጩዋት ቆልዑ’ውን ኣለዉኒ፣ ኡሳማ ድሮ ተማሃራይ 9ይ ክፍሊ ኮይኑ’ሎ፣ ራንዳ ጓለይ ከኣ 5ይ ክፍሊ’ያ ትመሃር፣

* የቐንየልና ማሕሙድ

ህዝባዊ ርክባት ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ

“ቋንቋ ሳሆ ክምህረሉ ምስ ጀመርኩ’የ ብዕምቈት ክፈልጦ ዕድል ረኺበ”

መምህር ማሕሙድ መሓመድ ኣሕመድ

መንእሰይ ማሕሙድ መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ሓዝሓዝ ተወሊዱ ኣብኡ ከኣ ዓብዩ፣ ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብ ቤ/ት ኣል’ማዕሃድ ኣልኢስላም፡ ናይ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዱሊስ፡ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ቤ/ት ባርካ ተኸታቲሉ፣ ድሕሪ ናጽነት መምህር ናይ ኣደ ቋንቋ (ሳሆ) ብምዃን ንልዕሊ 15 ዓመታት ምስ ነጠፈ፣ ኣብ ሞንጎ ካብ 2001 -2005 ብዩኒቨርሲቲ ኮፐን ሃገን ብናይ ቋንቋ መጽናዕቲን ስነ-ጽሑፍን (LINGUISTIC AND EDUCATIONAL STUDIES) ዕድል ማህደረ ትምህርቲ ረኺቡ ብዲግሪ ተመሪቑ፣ ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ኮማዊ መሰልጠኒ መምህራን ኣስመራ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኮይኑ ይነጥፍ ኣሎ፣ ናይ ሎሚ ጋሻና’ዩ ምስኡ ዝገበርናዮ ዕላል ይስዕብ፡-

Page 7: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 7

ስፖርት ኤርምያስ ኣስፍሃ

“ፍርቂ መዓልቲ ሕርሻዊ ንጥፈታት ስድራኡ፣ ፍርቂ መዓልቲ ከኣ ውድድራትን ልምምዳትን ብሽክለታ እናካየደ’ዩ ዝወዳደር ነይሩ። ስለዝኾነ ብስራሕ ተኾስኲሱ ዝዓበየ ተረርቲ ጭዋዳታት ስለዘለዎ፣ ኣብ ዝኾነ የድምዕ’ዩ። ጉልበት ኣለዎ - ምስ’ቶም ጎልጎል ዝኸዱ፣ ይኸይድ ጥራሕ ዘይኮነስ የድምዕ’ውን’ዩ፣ ጉልበት ኣለዎ ምስ’ቶም ዓቐበት ዝድይቡ - ጽቡቕ ይድይብ’ዩ፣ ሓይሊ ስለዘለዎ፣ ኣብ ግዜ ቮላታ’ውን ፈንጢሱ ወጺኡ ክስዕር ዝኽእል ኣትሌት’ዩ። ካልእ፣ ተስፎም፣ ኣብ’ቲ ናይ ፈለማ ውድድሩ፣ ብዙሕ ግዜ ይወድቕ፣ ብዙሕ ግዜ ብሽክለታ የበላሹ ነይሩ። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ኣማሪሩ “ካብ ብሽክለታ ክወርድ’የ፣ ኣይቅጽልን’የ” ዝበለኒ እዋን ነይሩ። ኣነ ግን ናይ መጻኢ ብቕዓቱ ይርኣየኒ ስለዝነበረ ሞራል እናሃብኩ ክቕጽል አተባብዖ ነይረ። ናይ ብሓቂ ድማ ፍረ ናይ ሽዑ ዘካየዶ ጻዕርን ዝሓለፎም መስገደላትን ሕጂ ይርእዮ ኣሎ፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ብዝግብኦ ተቐዳዳማይ ተወሲዳ” ይብል ኣሰልጣኒ ክለብ ዞባ ደቡብ ዮናስ ዘካርያስ፣ ንሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ተስፎም ዑቕባማርያም ብዝምልከት ኣብ መደብ ስፖርት “ኤሪ ቲቪ” ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ።ብ1991 ኣብ እግሪ መኸል - ዞባ ደቡብ

ዝተወለደ ተቐዳዳማይ ተስፎም ዑቕባማርያም፣ መባእታ ኣብ እግሪ መኸል፣ ማእከላይ ኣብ ቅነ ሓየላ ናይ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ መንደፈራ (ዞባ ደቡብ) ተማሂሩ። ኣብ 2005 ኣብ ናይ ማውንተይን ባይክ ንቤት ትምህርቱ ወኪሉ ብምውድዳር ብቐጻሊ ይዕወት ነይሩ።

ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ቤት ትምህርቲ ውድድር፣ ብቕዓቱ ዝዕዘቦ ዝነበረ መምህር ኣብርሃም (ቺና) ዝተባህለ መምህሩ፣ ተስፎም ኣብ መንደፈራ ተወዳዲሩ ከድምዕ ከምዝኽእል የተባብዖን ይመኽሮን ነይሩ። ኣብ ናይ ማውንተይን ባይክ ውድድር ከኣ

ኣመዝገቦ። ብድፍኢት መምህሩ ኣብርሃም ቺና ድማ ኣብ 2007 ኣብ መንደፈራ ክወዳደር ጀሚሩ። ኣብ ናይ 3ይን 2ይን ዲቪዥናት ውድድሩ ድማ ጽቡቕ ክእለትን ብቕዓትን ብምንጽብራቕ ተደጋጋሚ ዓወታት ይጓናጸፍ ነበረ። ብድሕሪ’ዚ፣ ንክለብ ዞባ ደቡብ ወኪሎም ንዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ንምምራጽ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፣ ጽቡቕ ውጽኢት ስለዘመዝገበ፣ ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ እናተዓለመ ምስ ክለብ ዞባ ደቡብ ተጠርነፈ።ተስፎም፣ ኣብ 2008 ምስ ክለብ ዞባ

ደቡብ ኮይኑ፣ ንፈለማ እዋን ናይ ዙር ኤርትራ ውድድር ኣካይዱ። እቲ ውድድር መጀመርታኡ ብምንባሩ፣ ኣብኡ’ውን ዓበይቲ ተቐዳደምትን ጋንታታትን ስለዝጸንሕዎ፣ እቲ ውድድራት ክብድ ኢልዎ ብምንባሩ ብፍላይ ኣብ ቁልቁለትን ጎልጎልን ብተደጋጋሚ ከኣ ናይ መውደቕትን ምብልሻው ብሽክለታን የጋጥሞ ከም ዝነበረ የዘንቱ። ብድሕሪኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተመክሮ እናደለበን ሞራሉ ክብ እናበለን መጽአ። መስከረም 2008፣ ተስፎም ምስ ክለብ ዞባ

ደቡብ ኮይኑ ንፋልማይ እዋን ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ዞባ ማእከል ተሳቲፉ 9ይ ደረጃ ምሓዙ ክገልጾ ዘይክእል ሓጎስ ከምዝተሰምዖ ይገልጽ። ኣብ 2009 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ናብ ስልጠና ስዊዘርላንድ ምስ ኣምርሐ፣ ክለብ ዞባ ደቡብ ንዳኒኤል ክትትክእ ኣይተሸገረትን - ምኽንያቱ ተስፎም ምስታ ክለብ ኮይኑ ካብ እዋን ናብ እዋን ብቕዓትን ተመክሮን እናጥረየ ብምምጻእ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት

ድሙቓት ዓወታት ከመዝግበላ ስለዝጀመረ።ተቐዳዳማይ ተስፎም

ኣብ 2011 ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብቕዓቱ ብምብራኽ፣ ኣብ ዙር ኤርትራ ናይ’ታ ዓመት፣ ብድንቂ ብቕዓት ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ተቐዳደምቲ እናኣተወ፣ ብናይ ትሕቲ 23 ዓመት መራሒ ናይቲ ውድድራት፣ ብውህሉል ነጥቢ ድማ 4ይ ደረጃ ሒዙ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ከባቢ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝነበረ ናይ ከተማ ውድድራት፣ ተስፎም ዝርከቦም ብነጥቢ ቀዳሞት ዝነበሩ 4 ተቐዳደምቲ

ኣብ ነንሕድሕዶም ብዝገበርዎ ምትህልላኽ ብዙርያ ብኻልኦት ተቐዳደምቲ ተገለፉ። ተስፎም ከኣ ዝነበሮ ልዑል ናይ ምዕዋት ዕድላት ብሰንኪ ምትህልላኽ ከምዝኸሰሮ ከኣ ይጠቅስ። ሽዑ ብዝኸሰሮ ዓወት፣ ዝነበረ ዕድል ስልጠና ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝባኸኖ፣ ናይ ሽዑ ጓሂኡ ከኣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከምዘይወጻኣሉ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ኣብ ሃገርና ካብ ዘለዉ ሰብ ዝና ኣትሌታት

ክኸውን በቒዑ ዘሎ ተስፎም ኣብ 2011 ኣብ ደንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ንመጀመርታ እዋን ኣህጉራዊ ውድድሩ ብምክያድ ኣብ ውድድር ክሮኖ ሜትር ዝንኣድ ግዜ ከም ዘመዝገበ ይገልጽ። ኣብ 2012 እውን ኣብ ዙራት ጋቦን፣ ኣልጀርያን ሞሮኮን ጽቡቕ ውጽኢታት ኣመዝጊቡ’ዩ። ኣብዛ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ዙር

ኤርትራ’ውን፣ ብርቱዕ ሕማም ኣጋጢምዎ ከሎ ኣብ መድረኽ ኣስመራ - ከረን 1ይ ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምዕዋቱ፣ ብናይ ትሕቲ 23 ዓመት 1ይ ብውህሉል ነጥቢ ከኣ 4ይ ኮይኑ ተዓወተ። ብዘይካ’ዚ ሻምፕዮን ዞባ ማእከል ናይ’ቲ ዓመት ብምዃን’ውን ድሙቕ ዓወት ኣመዝገበ። ኣብ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኤርትራ’ውን ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት 2ይ፣ ብውሕሉል ነጥቢ 4ይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ተስፋ ዘለዎ ኣትሌት’ዩ። ኣብ 2013፣ ብምኽንያት በዓል ናጽነት

ኣብ ግንቦት ዝተሰርዐ ውድድር፣ ተስፎም ንኻልኣይ ግዜኡ ሻምፕዮና ውድድር ናጽነት ኮነ። ብምኽንያት 20 ሰነ ንዝተኻየደ ውድድር’ውን ዋንጫ 20 ሰነ ዓተረ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ግብጺ

ዝተኣንገደ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፣

ወሓዚት - ወናኒት ሰለስተ ኣህጉራዊ መዳልያብዘለዋ ልዑል ብቕዓት፣ ኣብ ዞባ

ማእከል ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ውድድራት ብሽክለታ ደቂ- ኣንስትዮ፣ ንዝበዝሕ ውድድራት ብምዕዋት ክትብሕቶ ዝጸንሐት ተቐዳዳሚት’ያ። ኪኖ ዞባ ማእከል’ውን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኣንገደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፣ ብውልቃ ብሩርን ነሓስን፣

ምስ ደቂ ጋንታኣ ከኣ ወርቂ መዳልያ ኣብ ክሳዳ ኣንጠልጢላ ናብ ሃገራ ተመሊሳ። ኣብ ዓዲ ሓሙሽተ ከባቢ ኣስመራ

ብ1993 ዝተወለደት ወሓዚት፣ ጓል 12 ዓመት ከላ ፍርያት ናይ ገዝኣ ዝኾነ ጸባ ካብ ዓዳ ናብ ኣስመራ ዳርጋ መዓልታዊ ከባቢ 7 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ርሕቀት እናተጓዕዘት ብብሽክለታ ተመላልስ ነበረት። ምስ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ዓዳ እናተቐዳደመት ካብ ዓዲ ኣስመራ ትኣቱ ነይራ። በዚ ከኣ ፍቕሪ ምዝዋር ብሽክለታ ሓደራ፣ ምልከት ኣዘዋውራ’ውን ኣጥረየት። እቶም መጓዕዝታ ዝነበሩ ድማ፣ “ኣብ ውድድር ብሽክለታ ደቂ ኣንስትዮ እንተትምዝገቢ መድማዕኪ” ብምባል ርእይቶታቶም ይህብዋ ነበሩ።ተመሃሪት 9ይ ክፍሊ ምስ ኮነት

ድማ ናይ ንቤት/ትምህርታ ዓዲ “ቀ” ወኪላ ብማውንተይን ባይክ ክትቀዳደም ጀመረት። ኣብ ፈለማ ውድድራ ድማ 2ይቲ ኮይና ተዓወተት። ናብ 10ይ ክፍሊ

ምስ ሓለፈት’ውን 1ይቲ ብምውጻእ ክልተ ማውንተይን ባይክ ብሽክለታ ተሸለመት። ኣብ 2010 ወሓዚት ምስ ክለብ ደቂ ኣንስትዮ ንኡስ ዞባ ጓላ ነፍሒ ተጠርኒፋ ትወዳደር ነበረት። ኣብ 2011 ዳ ኮርሶ ብሽክለታ ምስ ደቂ ጋንትኣ ብፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ስለዝተዋህባ፣ በታ ዝተዋሃበታ ዳ

ኮርሶ ብሽክለታ፣ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ ንዞባ ማእከል ወኪላ ተወዳደረት። ኣብቲ ካብ ሽዱሽተአን ዞባታት ዝመጽኣ ተቐዳደምቲ ደቂ- ኣንስትዮ ዝተሳተፍኦ ውድድር፣ ወሓዚት ብብሉጽ ብቕዓት 1ይ ኮይና ተዓወተት። ብዘይካ’ዚ ኣብ ሻምፕዮን ዞባ ማእከል 2012፣ ሻምፕዮን ዘዋሪት ዋንጫ ዞባ ማእከል፣ ሻምፕዮን ዞባ ማእከለ 2013፣ ሻምፕዮን ኤርትራ 2013 ብምዃን ዓቢ ዓወታት ዝተጓናጸፈት ተቐዳዳሚት’ያ።ማዕረ-ማዕረ ደቂ ተባዕትዮን ብውልቃን

ተስፎም ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር፣ ኣብቲ ሓያል ስካቶታት ዝካየደሉ ዝነበረ ውድድር፣ ኣብ መወዳእታ መርሃዊ ቅዱስን ተስፎምን ምስ ዳን ክራቨን ዝበሃል ሓያል ፕሮፌሽናል ናሚብያዊ ተቐዳዳማይ ተረፉ። ኣብ መወዳእታ ቅጽበታዊ ውድድር፣ ተስፎም ካብ 250 ሜትር ኣትሒዙ ቅጽበታዊ ውድድር ብምክያድ ነቲ ውድድር ተዓወተሉ። ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዓመተ 2013 ብምዃን ከኣ ዓቢ ዓወት መዝጊቡ ይርከብ።መጻኢ መደብ ናይ’ዚ ብብዙሕ መስገደልን

ጻዕርን ሓሊፉ ኣብ ዓወት ዝበቕዐ ተቐዳዳማይ፣ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ በጺሑ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ዓለምና ምውድዳር ምዃኑ ብምትእምማን ይዛርብ። ኣብዚ ንዘብቅዕዎ ስድራኡ፣ ኣሰልጠንቱን ቶማስ የማነ ንዝብሃል ተሓጋጋዚኡን ከኣ የመስግን።

ከቢድ ልምምዳት ከም እተካይድ እትዛረብ ወሓዚት፣ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ምስ’ተን ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ተወዳዳሪት ኮይና ንኽትወጽእ ዝሓገዛ፣ ብኣሰልጣኒኣ ሙሴ ኣስሄል ዝዋሃባ ዝነበረ መምርሒ ኣብ ግብሪ ስለዘውዓለቶን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ሕርይቲ ጋንታ ተቐዳደምቲ ኣብ ልምምድ፣ ክንገብሮ ዘለዋ ቲክኒካት ይሕብርዋ ይምህርዋን ስለ ዝነበሩ፣ ከምኡ’ውን ንዓኣ ትበቅዕን ትምችእን ዓቐና ብሽክለታ ገይራ ምውድድራ’ውን ካልእ ምስጢር ዓወታ ምዃኑ ከይጠቐሰት ኣይሓለፈትን።እዛ ምስ ስድራኣ ጸባ ጸጊባ ዝዓበየት

ተቐዳዳሚት፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባ ማእከል ምስ ክለብ ኤለክትሮ ላይት ተጠርኒፋ’ያ ትወዳደር ዘላ። ናይ ጋንትኣ መዋሊ ኣቶ የውሃንስ (ጆንን) ኣሰልጣኒ ጋንትኣ ቢንያም (ዕኮትን) ዝገብሩላ ምትሕግጋዝ ኣብ ዓወታታ

ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮም ይፍለጥ። ተቐዳዳሚት ወሓዚት፣ ኣብ ጎልጎል፣

ዓቐብን ቮላታን ከተድምዕ ከምትኽእል፣ ንኹሉ ዘጠቓለለ ልምምዳት ተካይድ። መጻኢ መደብ ወሓዚት፣ ዘድሊ ልምምዳት ኣካይዳ፣ ብቴክኒክ በሲላ፣ ብፍላይ ከምዚ ናይ ሕጂ ባይታ እንተተፈጢሩላን፣ ኣብ ዝመጽእ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2014 ተወዳዳሪት ኮይና ንኽትዕወት ከምኡ’ውን ከም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ክትበጽሕ ዝክኣላ ምጽዓር’ዩ።

ከነላልየኩም! ተስፎም - ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ

Page 8: ሰንበት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15122013.pdfኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን (ፈረንሳ) ዝርከቡ ተመራምርቲ ሳይንስ፡ ንተረርቲ ኣኻውሕ

ሓዳስ ኤርትራ 15 ታሕሳስ 2013 8

ቆልዑምስ

8

ሰንበት

M] ALKo„í mkMqImklX ›ªD÷ IpM

እዋይ ናይ ሎሚ

ቅነ ቁሪስ ትኽእሎዶ

ኣለኻ?

ግደፍዮባ ክዳንና ክሳብ ንድርቢ ጌሩና!

ሓደ እዋን ሓደ እሙን ጓሳ ዝነበሮ ንጉስ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ጓስኡ ዝነበሮ እምነትን ፍትወትን መወዳድርቲ ኣይነበሮን፣ እቲ ጓሳ’ውን ብወገኑ ንጥሪት ናይቲ ንጉስ ብጥንቃቐን ክንክንን’ዩ ዝሕዘን ነይሩ፣ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ከኣ ናብ ገዝኡ ከይዱ ደሃይ’ተን ጥሪት ይገብረሉ ነበረ፣ “ወየን ጥሪት ከመይ ኣለዎ?” ይብል እቲ ንጉስ “ግርም ኣለዋ ጎይታይ” ከኣ ይብል እቲ ጓሳ፣ ኮታ እቲ ንጉስ ንኩነታት እተን ጥሪት ብደቂቕ ይሓቶ ንሱ ከኣ ብዝርዝር ይምልስ፣ እቲ ጓሳ ድሃይ ጥሪት ወዲኡ ቅድሚ ምኻዱ ከኣ እቲ ንጉስ ከም መርኣያ ሓጎሱን ዕግበቱን ኣብ ርእሲ’ቲ ንጻምኡ ዝኸፍሎ ውሱን ገንዘብ ተወሳኺ ይህቦ ነበረ፣ ሓደ መዓልቲ ካብ ገዛ እንዳ’ቲ ንጉስ

ዓቢ በዓል ጽንብል ተገይሩ ብዙሓት ዕድሙማት’ውን ተረኺቦም ነበሩ፣ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ጥሪት ኣልዒሎም እናዕለሉ፡ እቲ ንጉስ “ከምዚ ናተይ ፍጹም እሙንን ሓቀኛን ጓሳ የለን” ክብል ብርእሰ ተኣማንነት ምስ ተዛረበ፣ ሓደ ካብ’ቶም ዕዱማት ርእሱ እናነቕነቐ “ኣይምሰልካ ከምኡ ኣይትበል ፍጹም

ሓቀኛን እሙንን ሰብ ዝበሃል የለን ነዚ ከኣ ብግብሪ ከረጋግጸልካ እኽል’የ” በሎ፣ እቲ ንጉስ “እብለካ ኣለኹ ነዚ እሙን ጓሳይ ከምዝሕሱ ወይ ዘይኮነ ከምዝዛረብ ዝገብረ የለን” ክብል ብርእሰ ምትእምማን መለሰሉ፣ “በል እዚ ጓሳኻ ሓንቲ ካብ’ተን ዕያውትኻ ከም ዝቐትል ክገብር’የ ሽዑ ሓቂ ከምዘይነግረካ ፍለጥ እንተነጊሩካ ሎቖታ ምሉእ ወርቂ አትሕዝ” በሎ፣ እቲ ንጉስ “እዚ ጓሳ ንብዙሕ ዓመተት ብእምነት ኣገልጊሉኒ’ዩ፣ ሓቂ ከም ዝነግረኒ ከኣ እኣምን’የ ነትሕዝ” ኢሉ ንሱ’ውን ብግዲኡ ሎቖታ ምሉእ ወርቂ ኣትሓዘ፣ ካብ’ታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ከመይ

ጌሩ ነቲ ጓሳ ከም ዘሐስዎ ክሓስብ ድቃስ ለይቲ ሰኣነ፣ ሓደ መዓልቲ ጓሉ ብዙሕ ክሓስብን ክጭነቕን ምስ ረኣየቶ፡ “ኣቦ እንታይ ኮንካ ኢኻ ክሳብ ክንድ’ዚ ትጭነቕ ዘለኻ በጃኻ ንገረኒ” ክትብል ሓተተቶ፣ ንሱ ከኣ ኩሉ ምስቲ ንጉስ ዝተበሃሃሉዎን ዘትሓዞ ንብረትን ነገራ፣ ጓሉ ነዚ ምስ ሰምዐት ክርትም ኢላ ሰሓቐት’ሞ “እዚ ድኣ እንታይ ዘጨንቕ ኮይኑ፡ ኣነ ባዕለይ ነቲ ጓሳ ሓንቲ ካብተን ዕያውቲ ከም ዝቐትል ክገብር’የ፡ ሽዑ ተሓቲቱ ሓቂ ከምዘይዛረብ ክገብርየ” በለቶ፣ ኣይጸንሐትን፡ ክዳውንታ ቀያይራ ናብ’ቲ ጓሳ ዝውዕሎ ልሙዕ ጎልጎል ኣምርሐት፣ እቲ ጓሳ ኣብ’ቲ ልሙዕ ሳዕሪ ደቂሱ ጸንሓ’ሞ፡ብፍሕሽው ገጽ “ከመይ ውዒልካ” ኢላ

ካብ’ታ ጥዕምቲ ድቃሱ ኣበራበረቶ፣ ኣስዕብ ኣቢላ “ሓደ ነገር ክትሕግዘኒ ኢለ እንድየ ድኣ መጺአካ” በለቶ፣ እቲ ጓሳ “እንታይ ክሕግዘኪ ዝከኣለኒ እንተኾይኑ ጸገም የለን ንገርኒ” በላ፣ “ኣነስ ሓደ ሕማም ኣሳቕዩኒ’ሞ ሓኪም ካብዚ ሕማም’ዚ ክሓዊ እንተኾይነ ስጋ ዕየት ክበልዕ ኣዚዙለይ’ሞ ክትተሓባባረኒ’የ መጺአ” በለቶ ምሽክንክን እናበለት፣ እቲ ጓሳ ድማ “እዚ ትብልዮ ዘለኺ ልዕሊ ዓቕመይ’ዩ”

ብምባል ፍጹም ከምዘይከውን ነገራ፣ ሽዑ እታ ጓል “እሞ ክመውት’የ” ኢላ ብኡ ንብኡ ኣብ መሬት ወደቐት፣ እቲ ጓሳ ነዚ ዘሰንብድ ኩነታት ምስ ተዓዘበ፡ “ካብ ንስኺ ትሞቲ ዕየት ክሓርደልኪ ይሓይሽ” እሉ ብኡ ንብኡ ሓንቲ ካብ’ተን ዕያውቲ ሓሪዱ ስጋኣ ጠቢሱ ሃባ። ነቲ ጓሳ ኣመስጊና ድማ “በል ህይወተይ ክንዲ ዘድሓንካ’ያ ወርቂ ክህበካ’የ ግን ዕየት ከም ዝሓረድካለይ ንሓደ ሰብ ከይትነግር ብፍላይ ከኣ ንንጉስ” ኢላ ኣጽኒዓ ተማሕጺናቶ ከደት፣እቲ ምስኪና ጓሳ ግን ኣዝዩ ተጨነቐ፣

ምሉእ ሰሙን ከኣ ነቲ ንጉስ እንታይ ከም ዝብሎ ክጭነቕ ድቃስ ዘይብሉ ቀነየ፣ “ወኻርያ በሊዑዋ’ዶ ክብሎ፡ ተሰሪቓ’ዶ ክብሎ እምኒ ጸቒጡዋ ሞይታ’ዶ ክብሎ ጠፊኣ’ዶ ክብሎ? ግን ከኣ እዚ ኩሉ ሓሶት’ዩ...” ከምዚ ኢሉ ኽጭነቕ ቀዳም ወጋሕታ ግዜኣ ኣኺሉ ደበኽ በለት፣ ነተን ኣባጊዕ ምስ ዕያውተን ሒዙወን ናብ’ቲ ንጉስ ከደ፣ ኣብ’ታ ገዛ ምስ በጽሐ ድማ እቲ ኣዳራሽ ብብዙሓት ሰባት መሊኡ ጸንሖ፣ ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ጓሳ ምስ ረኣዮ “ከመይ ቀኒኻ” ድሕሪ

ምባል “ወየን ኣባጊዐይ ከ ከመይ ኣለዋ” ኢሉ ሓተቶ፣ እቲ ጓሳ ከኣ “ኣባጊዕ ግርም ኣለዋ ጎይታይ” በሎ፣ “እተን ዕያውተይከ” ደጊሙ ሓተተ ንጉስ፣ እቲ ጓሳ ትቕብል ኣቢሉ፡-

“ርኢኹም ክቡር ጎይታይግቡአይ ዘንጊዐ ሸለል ኢለበዲለ’የ ሓንቲ ዕየት ቀቲለ፣

ሕጂ ግን እነግረኩም ኣለኹ ሓቂ ይሓይሽ ኢለ”

ኢሉ ዘረብኡ ምስ ወድአ። ብምሉኡ እቲ ኣብ ኣዳራሽ ዝነበረ ዕዱም ብጣቕዒትን ዕልልታን ኣድናቖቱ ገለጸሉ፣ ኩሎም ከኣ ብሓደ ድምጺ “ንጉስ ረቲዑ! ንጉስ ረቲዑ! ሓቀኛ ኣገልጋሊ! እሙን ኣገልጋሊ!” እናበሉ ጨርሑ! እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ረቲዑ ዝተቐበሎ ወርቂ ብምሉኡ ነቲ ጓሳ ወፈየሉ፣ፍቱዋት ቆልዑ ሓቂ ውዒሉ ሓዲሩ

የዐውት፣ ሓቀኛ ሰብ ኩሉ’ዩ ዝኣምኖ፣ ሓሳዊ ግን ዝኣምኖ ኣይረክብን፣ ወትሩ ንዑቕን ፍሹልን ኮይኑ ከኣ ይነብር፣ ስለዚ ሓቂ ምዝራብ ምረጹ፣ መቕጻዕቲ ፈሪህካ ሓሶት ምዝራብ ነውሪ!

ዛንታ ዶ ክንነግረኩም!

ውቅያኖሳት ዓለም(5ይ ክፋል)

ፍቱዋት ቆልዑ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ውቅያኖሳት ዝድህስስ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፍ ኣንቢብኩም ክትኮኑ ተስፋ ንገብር፣ እዚ ንሓፈሻዊ ፍልጠትኩም ኮነ ንትምህርትኹም ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብተኸታታሊ ከተንብብዎን ክትርድእዎን ፈትኑ። በሉ ሕጂ ከኣ ንሓሙሻይ ክፋሉ ተገዲስኩም ኣንብቡዎ፣ ኩናታት ኣየር ውቅያኖሳት ምስ

ዕምቆት ባሕሪ ይቀያየር’ዩ፣ ዕምቆት እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ፡ እቲ ሙቐት ከኣ እናነከየ ይኸይድ፣ ኣብ ትሮፒካዊ ቦታታት እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ውዑያት ማያት ክሳብ 150 ሜትሮ ዕምቆት ክዝርግሑ ከለዉ፣ እቶም ኣብ ሓውሲ ትሮፒካዊ ቦታታት

ዝርከቡ ውዑያት ማያት ከኣ፡ ካብ’ቲ ላዕለዋይ ጽፍሒ ክሳብ 300 ሜትሮ ዕምቆት ይዝርግሑ፣ ሙቐት ናይ’ቶም ትሕቲ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ማያት ተርሞክላይን ብዝተባህለ ቀጸላ ዝቖመ ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ይንኪ፣ ተርሞክላይን ብርጉዲ ይፈላለ፣ ካብ ኣስታት 300 ክሳብ 910 ሜትሮ ከኣ ይዝርጋሕ፣ ካብ ትሕቲ ተሞክላይን ጀሚሩ እቲ ማይ ቀስ ኢሉ ይዝሕል፣ ኣብ ከባቢ ናይ’ቲ ኣዝዩ ዓሚቕ ባይታ ባሕሪ እቲ ኣካባቢ ሙቐት ናይ’ቲ ውቅያኖስ ኣብ ሞንጎ ሓደን ኣርባዕተን ዲግሪ ሰንቲ ግረይድ ይዝርጋሕ፣ ነፍስ ወከፍ ተፈጥሮኣዊ ባእታ ኣብ

ማያት ውቅያኖስ ክርከብ ዝኽእል’ኳ

ንኣፍልጦፍቱዋት ቆልዑ፡ ኣስናንኩም ብጽሬት’ዶ

ትሕዝዎ? መኣስ መኣስ ተጽርይዎ? ምስ ተመገብኩም ብኡ ንብኡዶኸ ኣፍኩም ትጉጽጉጽዎ? እቶም ቀጻሊ ኣስናንኩም ብጽሬት እትሕዙ’ኳ ካብ ምብዕካኽን ምብላዕ ኣስናን፡ ብቐንዱ ከኣ ሰኣን ግቡእ ጥንቃቐ ዝስዕብ ቃንዛ ከም እትገላገሉ ፍሉጥ’ዩ፣ በሉ ሕጂ ነዛ እትስዕብ ብዛዕባ እንታይነትን ጠቐሚን ኣስናን እትምልከት ጽሕፍቲ ኣንብቡ፣

ኣስናን ንምንታይ ከም ዝጠቅም ኣይትስሕትዎን ኢኹም፣ ኣስናን ንሰብ ኮነ ንእንስሳ ንመሓየኺ መግቢ ይጠቕሙ፣ ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ እቲ ቀዳማይ መስርሕ ብኣስናን’ዩ ዝካየድ፣ ኣስናንናን

መስሓስናን ካብ ኣፍና ምስ ዝምንጩ ምራቕ ተሓጋጊዞም ነቲ ድሩቕ መግቢ ኣለስሊሶም ብቐሊሉ ከም ዝውሓጥን ኣብ ከስዐ ከም ዝሓቅቕን ይገብሩዎ፣ ኣስናንና ንምሕቃቕ መግቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምዝራብን መልክዕን’ውን ዓቢ ተራ ኣለዎም፣

ኣስናንናን መልሓስናን ተደጋጊፎም ቃላት ብግቡእ የድምጹ፣ ናይ ቅድሚት ኣስናን ዘይብሉ ሰብ ጸያፍ’ዩ ዝኸውን፣ ብፍላይ “ሰ” “ሸ” “ጸ” ዝብላ ፊደላት ንምድማጽ የጸግምኦ፣

ኣስናን ኣብ ክልተ’ዩ ዝኽፈል፣ ናይ ጸባ ስኒን ቀዋሚ ስኒን ከኣ ይበሃል፣ ናይ ጸባ ስኒ ካብ 6 ወርሒ ይበቁል፣ ክሳብ 7 ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ክጎርፍ ይጅምር፣ ቀዋሚ ስኒ ድሕሪኡ ዝስዕብ ኮይኑ ብፍላይ ብክንክን ምስ እንሕዞ ምሉእ ዕድሜና ምሳና ክነብር ይኽእል፣ ካብ 7-15 ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ክቦቅል ይጅምር፣ ሓደ ሰብ ኣብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ግርጻኑ ብድምር 32 ኣስናን ይህልዎ፣ ገለ’ውን ብተፈጥሮኦም 28 ኣስናን ዘለዎም’ውን ኣለዉ፣ ኣስናን ኣብ ክንደይ ከም ዝምቀሉኸ ትፈልጡ’ዶ? እወ ኣስናን ኣብ ኣርባዕተ’ዮም ዝምቀሉ፣

1.ቆሎ ስኒ 2. ዓቃቢቶ 3.ቅድመ ኮራርምቲ 4. ኮራርምቲ ይበሃሉ፣ ሓደ ግርጻን ኣርባዕተ ቆሎስኒ፡ ክልተ ዓቃቢቶ፡ ኣርባዕተ ቅድመ ኮራርምቲን ሽዱሽተ ኮራርምቲን ይርከቦ፣ ቆሎ ስኒ ንምንካስን ንምምንጫትን፡ ዓቃቢቶ ንምምንጫትን መግቢ ንምሕቃቕን፡ ቅድመ ኮራርምቲ ከኣ መግቢ ንምሕያኽን ተረርቲ ጥረታት ንምቑርጣምን ይጠቕሙና፣

ፍቱዋት ቆልዑ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣስናንና ንነዊሕ ምእንቲ ከገልግለና ብጽሬት ክንሕዞ ኣለና፣ ዝኾነ ዓይነት ምግቢ ብፍላይ ከኣ ሽኮራዊ መግቢ ምስ ተመገብና ተረፍ ኣብ ኣስናንና ተዋህሊሉ ባክተርያ ይፈጥር’ሞ ኣስናንና ብፍላይ ከኣ ኮራርምትና ሓሲኹን ተበላሽዩን የሳቕየና፣ ስቓይ ኩርምቲ ከኣ ብዙሓት ፈቲንኩማ ኣለኹም፣ ካብ ቃንዛ ኩርምቲ ዝኸፍእ የለን! ቃንዛ ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ ብዓቢኡ’ውን ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ይስደድ’ዩ፣ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ዝኸውን’ሞ ኸኣ ተፈጥሮኣዊ ስኒ ኣይክህልወናን’ዩ፣ ስለዚ ካብዚ ንምግልጋል ኣስናንና ወግሐ ጸብሐ ካብ ምጽራይ ድሕር ኣይንበል፣ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ መግቢ ምጉጽጓጽ ንልመድ!

እንተኾነ ብፍላይ ምህርቲ ጨው ይሕፈሶ’ዩ፣ ማይ ባሕሪ ብገምጋም ኣስታት 3 1/2 ሚእታዊት ጨው ይሕዝ፣ እቲ ውቅያኖስ ብ99% ትሕዝቶ ጨው ክህልዎ ዝሕግዙ 6 ባእታታት ኣለዉ፣ ንሳቶም ከኣ፡-1.ክሎራይድ 2.ሶዲዩን 3.ሳልፈር

4.ማግነዝዩም 5.ካልሲዩምን 6.ፖታስዩምን እዮም።ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝርከቡ ጥረ-

ነገራት ብውህደት ሶዶዩም ክሎራይድ ወይ ብተራ ጨው ዝቖሙ’ዮም፣ ዝበዝሕ ካብ ውቅያኖስ ዝሕፈስ ጨው

ብቐንዱ ኣብ መሬት ካብ ዝርከቡ ኣኻውሕ እናተባሕጎጉ ብዝመጹ ጥረ ነገራት ዝተቓመመ’ዩ፣ እቶም ኣኻውሕ ናብ ንኣሽስቱ ነገራት ምስ ተሰባበሩ ኣፍላጋት ነቲ ጨውን ነቶም ብኻውሕ ዝቖሙ ዝቖሙ ካልኦት ጥረ ነገራትን ጸይሮም ናብ ውቅያኖሳት ይኣትዉ፣ ውቅያኖሳት ዓበይቲ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ

ማለት ከም መግቢ ጸዓት ማዕድናትን መድሃኒታትን ይርከቦም፣ እቲ ካብ ውቅያኖስ ዝርከብ ዓይነት መግቢ ዓሳን ካልኦት ንመግቢ ዝጠቕሙ ፍጥረታት ባሕሪን ከኣ ምጥቃስ ይከኣል፣ ብደረጃ ዓለም ካብ ውቅያኖሳት ዝርከብ ንግዳዊ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ዓመት ክሳብ 90 ቢልዮን ኪሎ ግራም ይበጽሕ፣ (...ይቕጽል)